Fana: At a Speed of Life!

ብኣሳናዳእነት ቤት ምኽሪ መተግበሪ ዳያስፖራ ኢትዮጵያ ንስድራቤት ሰራዊት ምክልኻልን ኣብቲ ከይዲ ጉድኣት ዝበፅሖም ወገናትን ንምሕጋዝ ዙም ጉባኤ መተኣኻኸቢ እቶት ተሳሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ብኣሳናዳእነትቤት ምኽሪ መተግበሪ ዳያስፖራ ኢትዮጵያ ንስድራቤት ሰራዊት ምክልኻልን ኣብቲ ከይዲ ጉድኣት ዝበፅሖም ወገናትን ንምሕጋዝ ዙም ጉባኤ መተኣኻኸቢ እቶት ተሳሊጡ።
ኣብቲ ትማሊ ዝተሳለጠ ምድላው ናይ ክብሪ ጋሻ ኮይነን ዝተረኸባ ሚኒስት ሰላም ወይዘሮ ሙፈሪያት ካሚል፥ ማሕበረሰብ ዳያስፖራ ብገንዘብ፣ ብኣቑሑትን ፍልጠትን እናገበሮ ዝረከብ ተግባራዊ ሓገዝ ኣመስጊነን።
መንግስቲ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ይኹን ኣብ ወፃኢ ዘለዉ ወገናት ኣተሓባቢሩ፥ ኣብ መልእ ሃገር ሰላም፣ ሓድነትን ምዕባለን ንምርግጋፅ ዝኾነ ይኹን ኢትዮጵያዊ ጓና ዘይኾነላ ሃገር ንምህናፅ ስርሑ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ገሊፀን።
ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ብርቱካን ኣያኖ ብግደአን፥ ኣብዚ ወሳኒ ምዕራፍ ታሪኽ ኣብ ጎኒ ሰራዊት ምክልኻል ሃገርን ሓቢሮም እናተዋደቑ ዝርከቡ ጀጋኑን ሓገዝ ኣብ ምግባር ንዝርከቡ ኣባላት ዳያስፖራ ልዑል ምስጋና ኣቕሪበን።
ማሕበረሰብ ዳያስፖራ ቁፁራት ፅንፈኛ ጉጅለ ህወሓት ዝነዝሑዎ ናይ ሓሶት ፕሮፓጋንዳ ንምፍሻል ብዝበለፀ ተዋዲዶም ንኽሰርሑ እውን ሓቲተን።
ዋና ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ሜጀር ጀነራል ይልማ መርዳሳ ከምዝበሉዎ፥ መንግስቲ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ኣብ ወፃኢ ሃገር ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን ዘርአዩዎ ድጋፍ ነቲ ዝተመዝገበ ዓወት ኣስተዋፅኦ ከምዘለዎ ገሊፆም።
ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ኣሜሪካ ፍፁም ኣረጋ ኣብቲእዋን ዘተ ከምዝበሉዎ፥ ዋላኳ ቤት ምኽሪ መተግበሪ ዳያስፖራ ኢትዮጵያ ካብ ዝጣየሽ ሓፂር ግዘ እንተኾነ፤ ኣዚዩ ውፅኢታዊ ዝኾነ ንወገን ዝበፅሕ ስራሕ እናሰርሐ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
እቲ ኤምባሲ ምስቲ ቤት ምኽሪ ምስርሑ ከምዝቕፅል እውን ኣረጋጊፆም።
ኣብቲ ናይ ትማሊ መርሃግብሪ ምትእኽኻብ እቶት ልዕሊ 21 ሺሕ ዶላር ዝተረኸበ እንትኸውን፥ እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ዝኸፈቶ ኣካውንት ጎፈንድ ሚ ድማ ልዕሊ 330 ሺሕ ዶላር ኣሜሪካ ተኣኪቡ።
ኣብቲ ምድላው ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ፣ መኮንናት ጦር፣ ኣምባሳደራት፣ ኣርቲስታት፣ ጋዜጠኛታትን ብዙሓት ፍሉጣት ሰባትን ካብ ኣሜሪካ፣ ካናዳን ኣውሮፓን ከምዝተሳተፉ ካብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ኣሜሪካ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.