Fana: At a Speed of Life!

ካብ ኣላማጣ ናብ መቐለ ዝኸይድ ልዑል ሓይሊ ኤሌክትሪክ ዘመሓላልፍ መስመር ፅገና ይግበረሉ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ካብ ኣላማጣ ናብ መቐለ ዝኸይድ ልዑል ሓይሊ ኤሌክትሪክ ዘመሓላልፍ መስመር ፅገና ይግበረሉ ኣሎ።
ብጁንታ ጉጅለ ህወሓት ጉድኣት በፂሑዎ ዝነበረ ካብ ኣላማጣ ናብ መቐለ ዝኸይድ ልዑል ሓይሊ ኤሌክትሪክ ዘመሓላልፍ መስመር ቅልጡፍ ፅገና እናተበረሉ ከምዝኾነ ትካል ፕሬስ ኢትዮጵያ ፀብፂቡ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ትማሊ ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፥ ድሕሪ ወፍሪ ትግራይ መሊስካ ምህናፅ ቀንዲ ስራሕ ከምዝኸውንን ሰለስተ መልክዓት ከምዘለዉዎን ምሕባሮም ይፍለጥ።
ሰብኣዊን ማሕበራዊን ሓገዝ፣ ዝተጎድኡ መሰረተ ልምዓታት መሊስካ ምህናፅን መሰታዊ ግልጋሎታት መሊስካ ምጅማርን ከምዝኾኑ ገሊፆም ኢዮም።
እዞም ስራሕቲ ኣብቲ ቦታ ዝተረኸቡ ጉጅለታት ኣቢሎም ከምዝተጀመሩ ገሊፆም ኢዮም።
እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.