Fana: At a Speed of Life!

ዴንማርክ ንመፈፀሚ ሃገራዊ መረፃ ኢትዮጵያ ዝውዕል 1 ነጥቢ 5 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ ሓገዝ ክትገብር ኢያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 03 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ዴንማርክ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝካየድ ሃገራዊ መረፃ መፈፀሚ ዝውዕል 1 ነጥቢ 5 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ ብመልክዕ ሓገዝ ክትህብ ኢያ።

እቲ ሓገዝ ስምምዕነት፥ ኣምባሳደር ዴንማርክ ኣብ ኢትዮጵያ ካሪን ፖልሰንን ተወካሊ ውድብ ሕቡራ መንግስታት ቱርሃን ሳልሕን ተፈራሪሞምዎ።

እቲ ሓገዝ ስምምዕነት፥ ሚኒስትር ምትሕብባር ዴንማርክ ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት ስራሕ ኣብ ዘካየዱሉ እዋን ብመሰረት ዝኣተዉዎ ቓል ዝተገበረ ምዃኑ ተገሊፁ።

መፃኢ መረፃ ንኢትዮጵያ ብጣዕሚ ወሳኒ ከምዝኾነ ኣምባሳደር ካሪን ኣብቲ ስነ ስርዓት ፌርማ ተዛሪበን።

ዴንማርክ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ሃገራዊ መረፃ ናፃ፣ ፍትሓዊ፣ ተኣማኒን ሰላማዊን ብዝኾነ መገዲ ንኽዛዘም ምስ ውድብ ሕቡራት መንግስታትን ዓለም ለኸ ትካላትን ተሓጋጊዛ ከምትሰርሕ እውን ኣፍሊጠን።

ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ኢትዮጵያ ዴሞክራሲ ንክምዕብልን መፃኢ መረፃ ግልፂን ሰላማዊ ብዝኾነ መገዲ ንኽካየድን ዝጀመሮ ፕሮጀክት ዝውዕል ሓገዝ ምዃኑ ተገሊፁ።

እቲ ፕሮጀክት፥ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ሃገራዊ መረፃ ንኹሉ ዘሳትፍ፣ ግልፂን ተኣማኒን ንምግባር ከምኡ እውን ንምዕባይ ዓቕሚ ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ዝዓለመ ኢዩ።

ፍልፍል፦ ፕግራም ልምዓት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ኢትዮጵያ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.