Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ወታደራዊ መዓስከር ኒጀር ብዝተፈነወ መጥቃዕቲ 73 ወታደራት ተቐቲሎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 02 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ዕጡቓት ግብረ ራዕዲ ኣብ ወታደራዊ መዓስከር ምዕራብ ኒጀር ብዝፈነዉዎ መጥቃዕቲ ብውሑዱ 73 ወታደራት ህይወቶም ከምዝሓለፈ ጦር ሰራዊት እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

በቲ ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ 12 ወታደራት ከምዝቖሰሉ እውን ተገሊፁ።

እቲ ዝተመዝገበ ቁፅሪ ሞት ወታደራት ንብዙሓት ዓማውቲ ኣጋጢሙ ኣይፈለረጥን ተባሂሉ።

ጦር ሰራዊት ኒጀር፥ ኣብ ምቁፅፃር ምስፍሕፋሕ ጉጅለ ዕጡቓት ግብረ ራዕዲ ኣበርቲዑ እናተቓለሰ ከምዝኾነ ገሊፁ።

ሚኒስትር ምክልኻል ኒጀር ኢሱፉ ካታምቤ ከምዝገለፁዎ፥ ጦር ሰራዊት እታ ሃገር ልዑል ቁፅሪ ዘለዎም ኣባላት ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ኣውዒሉ ኢዩ።

በቲ መጥቃዕቲ ክሳብ ሕዚ ሓላፍነት ዝወሰደ ኣካል ከምዘየለ ተገሊፁ።

ይኹን እምበር ጉጅለ እስላማዊ መንግስቲን ዕጡቓት ቦኮሃራምን ኣብቲ ከባቢ ከምዝንቀሳቐሱ ኢዩ ዝተሓበረ።

ፕዚዳንት ፈረንሳይ ኢማኑኤል ማክሮን ምስ ሓሙሽተ መራሕቲ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪካ ኣብ ዛዕባ ሰላም እቲ ዞባ ኣድሂቦም ንምዝታይ ከምዘሓሰቡ ዕላዉ ድሕሪ ምግባሮም ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ከምዝኾነ እውን ተገሊፁ።

 

ፍልፍል፡- ቢቢሲ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.