Fana: At a Speed of Life!

መንግስቲ ጉጅለ ህወሓት ኣብ ማይካድራ ዝፈፀሞ ጭካነ ዝተመልኦ ተግባር ኣውጊዙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)መንግስቲ ፌዴሪኢ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ኣብ ማይካድራ ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ዜጋታት ዝፈፀሞ ጭካነ ዝተመልኦ ተግባር ኣውጊዙ።

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ ዕላዊ ኣብ ዝገበሮ ፀብፃብ፥ ሓይሊታት ፅንፈኛ ጉጅለ ህወሓት ኣብ ማይካድራ ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ዜጋታት ዝፈፀምዎ ጭካነ ዝተመልኦ ተግባርን ልዑል ግህሰት ሰብኣዊ መሰልን ልቢ ከምዝሰብሩ መንግስቲ ኣፍሊጡ።

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ ዕላዊ ዝገበሮ ፀብፃብ ቅድመ ሐዚ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ዘውፅኦ ፀብፃብ ዘረጋግፅ ከምዝኾነ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ዘውፅኦ መግለፂ ይሕብር።

እቲ ተግባር ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ኣብ ኢትዮጵያ ዝፍፅሞ ዘሎ ጭካነ ዝተመልኦ ገበን ክንደይ ዝኣክል ከምዝኾነ ህዝቢ ዓለም ዳግም ዘረጋገፀሉ ኢዩ እውን ኢሉ።

ፀብፃብ እቲ ኮሚሽን መጥቃዕቲ ማይ ካድራ ተራ ገበን እንተይኮነስ ብትልምን ብዝተዋደደ መገድን ዝተፈፀመ ተግባር ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ከምዝኾነ ሓቢሩ።

ሓይሊታት ህወሓት ሳምሪ ምስ ዝተብሃለ ጉጅለ መናእሰይ ትግራይ ብምትሕብባር ምድላው ብምግባርን ብምድላውን ብኣማኢቲ ዝቖፀሩ ሰባት ከምዝቀተሉ ፀብፃብ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ ኣረጋጊፁ ኢዩ እውን ኢሉ መንግስቲ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂኡ።

ከም ፀብፃብ እቲ ኮሚሽን ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ዝፈፀሞ ተግባር ኣብ ልዕሊ ሰብኣውነት ዝተፈፀመ ገበንን ገበን ኲናትን ክኸውን ከምዝኽእል ኣርእዩ ኢዩ ኢሉ።

ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ እውን እዚ ጭካነ ዝተመልኦ ልዑል ገህሰት ሰብኣዊ መሰል ንከውግዝ መንግስቲ ፃውዒት ኣቕሪቡ።

ፈፀምቲ እቲ ገበን ንሕጊ ዘቕርብ ከምዝኾነ እውን መንግስቲ ኣብ መግለፂኡ ኣረጋጊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.