Fana: At a Speed of Life!

ሓይሊ ዕጡቕ ጁንታ ህወሓት ኣብ ማይካድራ ዝፈፀሞ ጨፍጫፍ ኣብ መቐለ ንምድጋም ምድላው ይገብር ኣሎ-ሜ/ጀኔራል መሓመድ ተሰማ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ህዳር፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሓይሊ ዕጡቕ ጁንታ ህወሓት ኣብ ማይካድራ ዝፈፀሞ ጨፍጫፍ ኣብ መቐለ ንምድጋም ምድላው ይገብር ኣሎ ክብሉ ዋና ዳይሬክተር ኢንዶክትሪኔሽን ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ሜጄር ጀኔራል መሓመድ ተሰማ ተዛሪቦም።

እቲ ሰራዊት ኣብ ዝተቐፃፀሮም ከባቢታት ህዝቢ ትግራይ ነቲ ሰራዊት ዘለዎ ደገፍ ብተግባር የርእይ ከምዘሎ ገሊፆም።

እቲ ጉጅለ ነቲ ተግባር ዝፍፅም ፍሉይ ጉጅለ ኣዳሊዩን ኣብ ፋብሪካ ጨርቃ መርቂ ኣልመዳ ዘዳለዎ ናይ ሰራዊት ምክልኻል ሃገርን ሰራዊት ኤርትራን ዩኒፎርምታትን ብምኽዳን ከምዝኾነ ሓቢሮም።

ሜጀር ጀኔራል መሓመድ ተሰማ ነዚ ዝበሉ እዋናዊ ኩነታት ኣመልኪቶም ትማሊ ኣብ ዝሃብዊ መግለፂ ኢዩ።

ፅንፈኛ ሓይሊ ህወሓት በቢእዋኑ ባዕሎም ንባዕሎም ዝዋቕዑ ሓበሬታታት በምውዛዕ ህዝቢ እናደናገረ ከምዘሎ ተዛሪቦም።

ንኣብነት እቲ ጉጅለ ቅድሚ ሒደት መዓልታት “ኣብ ግንባር ራያ መበል 21 ክፍለ ሰራዊት ደምሲስና፤ ናብ ዓድዋ ዝመፅአ ሓይሊ ብምድምሳስ ነቲ ከባቢ ተቖፃፂርና” ኢሉ ምዝራቡ ኣዘኻኺሮም።

ይኹን እንበር ኣብቲ ዕለት ኣመራርሓ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኣብ ዝተገለፁ ከባቢታት ብምርካብ ንመራኸብቲ ሓፋሽ ገለፃ ምግባሮምን ኣብ ኣየር ከምዝበቕዐን ተዛሪቦም።

እዚ ድማ ናይቲ ጁንታ ናይ ሓሾት ፕሮፖጋንዳ ዘረጋግፅ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ናይቲ ጉጅለ ኣቐበልቲ ቃል ተሓቢኦም መግለፂ ካብ ምሃብ ሓቂ እንተኾይኑ “ ደምሲስና ኣልቂቕናዮም ኢና” ኣብ ዝበልዎም ከባቢታት ብምርካብ መግለፂ ምሃብ ይኽእሉ ነይሮም እውን ኢሎም።

መራሕቲ እቲ ጉጅለ ሕጊ ናይ ምኽባር ወፍሪ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘነፃፀረ ህዝባዊ ኲናት ንምምሳል ፃዕሪ ይገብሩ ከምዘለዉ እውን ገሊፆም።

ይኹን እንበር ህዝቢ ትግራይ እቲ ወፍሪ ንፅንፈኛ ጉጅለ ጥራሕ ዝምልከት ከምዝኾነ ብተግባር ምርኣዩ ኣብሪሆም።

እቲ ሰራዊት ኣብ ዝተቐፃፀሮም ከባቢታት ህዝቢ ትግራይ ነቲ ሰራዊት ዘለዎ ደገፍ ብተግባር ካብ ምርኣይ ንላዕሊ እቲ ጁንታ ክንደይ ዝኣክል ይብድሎም ከምዝነበረ ይገልፁ ኣለዉ ኢዮም ኢሎም።

ሓይሊ ጥፍኣት ህወሓት ዝሓሰቦ ሽርሒ ይኸሽፎ ከምዘሎ ብምሕባር፥ ኣብዚ ሐዚ እዋን ድማ ሓዱሽ ትልሚ ጥፍኣት ከምዝሓንፀፀ ፈሊጥና ኣለና ኢሎም።

ብመሰረት እዚ ሓይሊ ዕጡቕ ጁንታ ህወሓት ኣብ ማይካድራ ዝፈፀሞ ጨፍጫፍ ኣብ መቐለ ንምድጋም ቀታሊ ጉጅለ ከምዘዳለወ ሜጄር ጀኔራል መሀመድ ተሰማ ተዛሪቦም።

እቲ ጉጅለ ነዚ ዝገብር ሰራዊት ኢትየፖጵያን ኤርትራን ብሓባር ብምዃን ንፁሃን ይጭፍጭፉ ከምዘለዉ ብምምሳል ካብ ማሕበረሰብ ዓለም ደገፍ ንምርካብ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

እዚ ድማ እቲ ጉጅለ ካብ ስልጣን ወፃእ ንህዝቢ ምንም ዓይነት ርህራሀ ከምዘይብሉ ዘርእይ ኢዩ ኢሎም።

እቲ ጉጅለ በቢግዜኡ ዝፍፅሞም ተግባራት ተስፋ ከምዝቖረፀ ዘርእዩ ከምዝኾኑ እውን ሓቢሮም።

ተገዲዶም ዝዋግኡ ዘለዉ ዕጡቓት ብሓሾት ፕሮፖጋንዳ ከይተታለሉ ኣብ ቀረበኦም ኣብ ዝርከብ ሰራዊት ምክልካል ሃገር ኢዶም ንክህቡ እውን ፃውዒት ኣቕሪቦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.