Fana: At a Speed of Life!

ፕሬዚዳንት ታንዛኒያ ንልዕሊ 5 ሺሕ እስረኛታት ምሕረት ገይሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 01 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ፕሬዚዳንት ታንዛኒያ ጆን ማጉፉሊ ንልዕሊ 5 ሺሕ እስረኛታት ምሕረት ምግባሮም ኣፍሊጦም።

እቲ ምሕረት፥ እታ ሃገር ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ናፃ ዝወፀትሉ መበል 58 ዓመት ክብረ በዓል ምኽንያት ብምግባር ዝተገበረ ምዃኑ ተገሊፁ።

ብመሰረት እዚ 5 ሺሕን 533 እስረኛታት ሎሚ መዓልቲ ዝፍትሑ እንትኾኑ፥ ካብዚኣቶም ውሽጢ ድማ እቶም ዝተወሰኑ ቀሊል ገበን ዝተፈረደሎም ኢዮም ተባሂሉ።

ቁፅሪ እቶም ምሕረት ዝተገበረሎ እስረኛታት ኣብ ታሪኽ እታ ሃገር ዝለዓለ ምዃኑ ተገሊፁ።

ኣብ ታንዛንያ ልዕሊ 35 ሺሕን 803 ዝተኣሩ ዜጋታት እንትህልዉ፥ ካብ ፍርቂ ዝበልፁ እሱራት ድማ ጋና ፍርዲ ዝፅበዩ ኢዮም ተባሂሉ

 

ፍልፍል፡- ቢቢሲ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.