Fana: At a Speed of Life!

ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮነን ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ጣሊያን ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 15 ህዳር፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ምክትል ቀዳማይ  ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ፌዴሪኢ ኣይተ ደመቀ መኮነን ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ጣሊያን ሉጂ ዲ.ማዮ ተዛቲዮም።

ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት፥ ሓፈሻዊ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ እዋናዊ ኩነታትን ታሪካዊ ርክብ ክልቲአን ሃገራትን ኣብ ዘጠናኽሩ ረእሰ ጉዳያት ተዛቲዮም።

ብምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ፌዴሪኢ ኣይተ ደመቀ ዝምራሕ ላዕለዋይ ጉጅለ ልኡኽ መንግስቲ ሎሚ መዓልቲ ጣሊያን፣ ሮም ምምርሑ ይዝከር።

ኣብ ክሊ እዋናዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ብዝምልከት ንቀዳማይ ሚኒስትር ጣሊያን ጁሴፔ ኮንቴ  ኣብቲ ዘተ መብርሂ ዝሃቡ ኣይተ ደመቀ፥ ኣብ ሸነኽ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝተጀመረ ሕጊ ናይ ምኽባር ወፍሪ ወሳኒ ምዕራፍ ከምዝበፅሐ ኣረዲኦም ኢዮም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ጣሊያን ጁሴፔ ኮንቴ ብግደኦም፥  ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ዝጀመረቶ ሕጊ ናይ ምኽባር ስጉምቲ ብሓላፍነትን ጥንቃቐን ንክዛዘም ተስፋ ከምዘለዎም ገሊፆም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.