Fana: At a Speed of Life!

በዓል ጥምቀት ኣብ ዩኔስኮ ዘይድህሰስ ሓድጊ ኮይኑ ንኽምዝገብ ተወሲኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 02 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)በዓል ጥምቀት ዘይድህሰስ ሓድጊ ኮይኑ ንኽምዝገብ ምውሳኑ ትካል ባህሊ፣ ትምህርቲ ሳይንስን ውድብ ሕቡራ መንግስታት(ዩኔስኮ) ኣፍሊጡ።

ኮሚቴ ዩኔስኮ፥ ኣብ ኮሎምቢያ- ቦጎታ ኣብ ሓለዋ ሓድጊታት ኣድሂቡ እናሳለጦ ዝርከብ ኣኼባ ኢዩ ኣከባብራ በዓል ጥምቀት ኢትዮጵያ ዘይድህሰስ ሓድጊ ዓለም ኮይኑ ንኽምዝገብ ውሳነ ዘመሓላለፈ።

ብመሰረት እዚ፥ በዓል ጥምቀት ካብ መስቀል፣ ስርዓት ገዳን ፍቸ ጨምበላላን በዓላት ቀፂሉ ኣብ ዩኔስኮ ዝተመዝገበ ራብዓይ ዘይደህሰስ ኢትዮጵያዊ ሓድጊ ዓለም ክኸውን ክኢሉ ኣሎ።

በዓል ጥምቀት፥ ብሃይማኖታዊን ባህላዊን ስነ-ስርዓት ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ዝኽበር ድሙቕ በዓል ኢዩ።

እቲ በዓል ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣብ መዝገብ ዘይድህሱ ሓድጊታት ዓለም ዩኔስኮ ንምምዝጋብ፥ መንግስቲ ኢትዮጵያን ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላትን ክሰርሑ ምፅነሖም ይፍለጥ።

በዓል ጥምቀት ኣብ ዩኔስኮ ዘይድህሰስ ሓድጊ ዓለም ኮይኑ ንኽምዝገብ ድማ ኣባል እቲ ኮሚቴ ዝኾነት ጅቡቲ ልዑል ግደ ከምዝተፃወተት ካብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ፈረንሳይ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.