Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ኖርዌይ መዘነኦም ኤርና ሶልበርግ ዘትዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 01 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ኖርዌይ ኤርና ሶልበርግ ዘትዮም።

እቶም መራሕቲ ኣብ ዝገበሩዎ ዘተ፥ ኣብ ኢትዮጵያ እናተሳለጡ ዝርከቡ ናይ ለውጢ ስራሕቲን ህንፀት ዴሞክራሲን ኣድሂቦም ዘትዮም።

ሰላምን ምርግጋዕን ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪካ ብዝምልከት እውን ተዛትዮም ኢዮም።

ኣንቲ እዋን ዘተ፥ ንሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ህንፀት ዓቕሚ ንምግባር፣ ኣመራርሓታት ደቂ ኣንስትዮ ኢትዮጵያ ለውውጥ ፖለቲካ ኣመራርሓን ስግግር ፍልጠት ንኸገብራ፣ ከምኡ እውን ኣብ ምንቅስቓስ ሓምለዋይ ዓሻራ ኢትዮጵያ ሓገዝ ንመምግባር ኣብስምምዕነት ተበፂሑ ኢዩ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ፥ ምስ ፕሬዚዳንት ፓርላማ ኖርዌይ ቶን ትሮንን ብኣኒከን ሁይትፊል ዝምራሕ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ወፃኢን ምክልኻል ሃገርን ኖርዌይን ኣብ ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ኢትዮጵያ ዘድሃበ ዘተ ምክያዶም እውን ካብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.