Fana: At a Speed of Life!

ጉጅለ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ዜጋታት ክልል ትግራይ መድፍዕ ብምትኳስ መጥቃዕቲ ይፍፅም ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ 11 ህዳር፣ 2013 (ኤፍ..)ጉጅለ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ዜጋታት ክልል ትግራይ መድፍዕ ብምትኳስ መጥቃዕቲ ይፍፅም ከምዘሎ ተገሊፁ።

ብሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኣቢሉ ዝበፅሖ መጥቃዕቲ ምሽካም ዘይከኣለ ጉጅለ ህወሓት፥ ካብ እዝ ሰሜን ዝሰረቖም ታንኪታት ደርቢዩ ምኻድ ከምዝጀመረ ተገሊፁ።

ኣብ እዝ ደቡብ ኣተሓባባሪ ልምዓት ሓይሊ ሰብን ሚዲያን ኮሎኔል ደጀኔ ጸጋዬ ከምዝበልዎ፥ ወራሪ ጉጅለ ህወሓት ንመከላኸሊ ሃገር ምሽካም ኣይከኣለን።

ብመሰረት እዚ ካብ እዝ ሰሜን ዝሰረቖም ክልተ -72 ታንኪታትን ናውቲታትን እናደርበየ ሃዲሙ ኢዩ ኢሎም።

ንእኩይ ዕላማ ዝተሰለፈ እቲ ጉጅለ በትሪ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ምሽካም እንትኣብዮ ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ዜጋታት መድፍዕ ብምትኳስ መጥቃዕቲ የብፅሕ ከምዘሎ ገሊፆም።

ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኣብ ዝተቖፃፀሮም ከባቢታት ነበርቲ ብሓጎስ ይቕበልዎ ኣለዉ እውን ኢሎም።

ጉጅለ ህወሓት መወዳእትኡ ይበፅሕ ምህላዉ ዝገለፁ  ኮሎኔል ደጀኔ፥ ካብ ዘለዎ ኣውፂእኻ ናብ ሕጊ ንምቕራብ ኣብ ከይዲ ከምዘሎ ገሊፆም ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.