Fana: At a Speed of Life!

ህንፀት ሃገር ጋህዲ ንኽኸውንን ዘላቒ ሰላም ንኽረጋገፅ ግደ ተሳትፎ መናእሰይ ብግቡእ ምጥቃም ይግባእ ወ/ሮ ኣዳነች ኣቤቤ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 10 ሕዳር፣2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ህንፀት ሃገር ጋህዲ ንኽኸውን፣ ዘላቒ ሰላም ንኽረጋገፅ፣ ኢኮኖሚያዊ፣ ማሕበራዊን ፖለቲካዊ ስርዓት ንኽጉልብትን ግደ ተሳትፎ መናእሰይ ብኣግባቡ ምጥቃም ከምዝግባእ ምክትል ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን።

ምክትል ከንቲባ ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤን ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና ኣይተ መለሰ ኣለሙን ካብ ዝተፈላለዩ ክፍለ ከተማታት ምስ ዝተውፃእፅኡ መናእሰይ ኣብ እዋናዊ ሃገራዊ ኣድሂቦም ተዛቲዮም።

ኣብቲ ዘተ ዝተሳተፉ መናእሰይ ጉጅለ ጥፍኣት ህወሓት ኣብ ልዕሊ እዚ ሰሜን ዘብፀሖ መጥቃዕቲ ክኹነን ዝግበኦን ብዝኾነ ይኹን ኩነታት ክኸውን ዘይብሉን ምዃኑ ተዛሪቦም።

መንግስቲ ፌዴራል ኣብልዕሊ ጉጅለ ጥፍኣት ህወሓት እናወሰዶ ዝርከብ ስጉምቲ ምኽባር ሕጊ ኣድላዪ ዘበለ ሓገዝ ኣብ ምግባር ከምዝኾኑ ብምግላፅ፥ ኣብ ቀፃሊ እውን መስዋእቲ ክሳብ ምኽፋል ድሉዋት ከምዝኾኑ ተገሊፁ።

ምክትል ከንቲባ ኣይዘሮ ኣዳናች ኣቤቤ፥ መናእሰይ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ግልጋሎት ወለንታ፣ ኮቪድ-19፣ ኣብ ቀረባ ድማ ንሰራዊት ምክልኻ ሞራላዊን ሰብኣዊን ሓገዝ ንምግባር ዘርኣዮ ምልዕዓል ዝበረታታዕን ዝድነቕን ኢዩ ኢለን።

የከተማዋን ወጣቶች በተለያዩ የስራ ዘርፎች ተሣታፊ እና ተጠቃሚ ለማድረግ የተጀመሩ የሪፎርም ስራዎችን በይበልጥ በማጠናከር የከተማ አስተዳደሩ ከወትሮው በተለየ መንገድ በልዩ ትኩረት ይሰራል ብለዋል

መናእሰይ እታ ከተማ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ተሳተፍቲን ተረባሕቲን ንምግባር ዝተጀመሩ ስራሕቲ ሪፎርም ብዝበለፀ ብምጥንኻር እቲ ምምሕዳር ከተማ ካብ ማንም እዋን ንላዕሊ ፍሉይ ትኹረት ገይሩ ከምዝሰርሕ ገሊፀን።

ዝተፈጠረሎም ዕድል ስራሕ ብዘይምንዓቕ ብኣግባቡ ክጥቀሙን ኣብቲ ዓውዲ ማሕለኻታት ዝኾኑ ኣሰራርሓታት ብምቅላስን ብምቅላዕን ናይ ባዕሎም ኣስተዋፅኦ ንኽዋፅኡ ፃውዒት ምቕራበን ካብ ቤት ፅሕፈት ፕሬስ ሴክሬታሪያት እቲ ምምሕዳር ከተማ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.