Fana: At a Speed of Life!

መንግስቲ ኣብ ክልል ትግራይ እናካየዶ ዝርከብ ወፍሪ ስጉምቲ ምኽባር ሕጊ ኢዩ – ኣይተ ዛዲግ ኣብራሃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)መንግስቲ ፌዴራል ኣብ ክልል ትግራይ እናካየዶ ዝርከብ ወፍሪ ስጉምቲ ምኽባር ሕጊ ከምዝኾነ ኣብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ሚኒስትር ማእኸል ህንፀት ዴሞክራሲ ኣይተ ዛዲግ ኣብራሃ ገሊፆም።

ኣይተ ዛዲግ ምስ ሬዲዮ ቢቢሲ መደብ ፎኮስ ኦን ኣፍሪካ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት፥ ኣብ ክልል ትግራይ እናተኻየደ ዝርከብ ስጉምቲ ልዕልነት ሕጊ ንምኽባር ኢዩ።

ኣብ ኢትዮጵያ ኲናት ሕድሕድ የለን ዝበሉ ኣይተ ዛዲግ፥ ሕድ ሕድ ኲናት ዝበሃል እንተነኣሰ ኣብ ሞንጎ ሰባት ጎንፂ እንትህሉ ኢዩ ኢሎም፡፡

ሕዚ እናተወሰደ ዝርከብ ወፍሪ ግን ዘይሕጋዊ ዝኾኑ ኣባላት ጁንታ ህወሓት ናብ ሕጊ ንምቕራብ ዝግበር ስጉምቲ ምኽባር ሕጊ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

ህዝቢ ትግራይ ምስ መንግስቲ ፌዴራል ኣይተጓነፀን ዝበሉ ኣይተ ዛዲግ፥ እኳዳኣስ ህዝቢ እቲ ክልል ኣብ ዓፈና እቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ይርከብ ኢሎም።

ነበርቲ እቲ ክልል ናብ ሱዳን ንክስደዱ እናገበረ ዝርከብ እውን ባዕሉ እቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ከምዝኾነን እዚ ዝገብሮ ድማ ትኹረት ዓለም ንምስሓብን ዓሊሙ ከምዝኾነን ገሊፆም።

ብስደት ናብ ሱዳን ዝኸዱ ዜጋታትና ኢዮም” ዝበሉ ኣይተ ዛዲግ፥ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዜጋታተቱ ብሰላም ናብ መረበቶም ንምምላስ ምስ ዝምልከቶም ሰብመዚ ሱዳን ብቕርበት እናሰርሐ ከምዝኾነ ኣረጋጊፆም።

“ጦር ሰራዊት ኤርትራ ምስ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኮይኑ መጥቃዕቲ ይፍንውልና” ኣሎ ብዝብል ዝቐረበ ውንጀላ ኣመልኪቶም ኣይተ ዛዲግ ኣብ ዘሃቡዎ መብርሂ፥ እዚ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ከምዝኾነ፤ መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ኣፍሪካ ጥንኩራት መንግስታት ሓደ ኢዩ፤ ዓቕሚ ሰራዊት ኢትዮጵያ እውን ካብ ኢትዮጵያ ሓሊፉ ንኻልኦት ሃገራት ዝተርፍ ኢዩ ኢሎም።

ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ትግራይ ዝውሰድ ስጉምቲ ምኽባር ሕጊ እኹል ኢዩ ዝበሉ ኣይተ ዛዲግ፥ ስለዝኾነ ድማ ሓገዝ ወፃኢ ሃገራት ኣየድልን ክብሉ ተዛሪቦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.