Fana: At a Speed of Life!

በዓል ሞያ ሕጊ ኣይተ ኣምሃ መኮንን ሽልማት ሓለዋ ሰብኣዊ መሰላት ናይዚ ዓመት ተዓዋቲ ኮይኖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 01 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ) ኢትዮጵያዊ በዓል ሞያ ሕጊ ኣይተ ኣምሃ መኮንን ናይዚ ዓመት ሽልማት ሓለዋ ሰብኣዊ መሰላት ፈረንሳይ-ጀርመን ተዓዋቲ ኮይኖም።

ጠበቓ ሕጊ ኣምሃ መኮንን፥ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ኣፀጋሚ እዋን እንተይተረፈ ናይ ዜጋታት ሰብኣዊ መሰልን ክብሪን ንኽሕሎ ብዝገበሩዎ ፃዕሪ ኢዩ እቲ ሽልማት ክብርከተሎም ዝኸኣለ።

እቲ ሽልማት ብኣምባሳደራት ፈረንሳይን ጀርመንን ዝተበርከተ እንትኸውን፥ ኣብቲ ስነ-ስርዓት ድማ ቤተሰቦምን፣ መሓዙቶምን መሳርሕቶምን ተረኺቦም።

ሽልማት ሓለዋ ሰብኣዊ መሰላት ፈረንሳይ-ጀርመን ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን በቢዓመቱ 10 ታሕሳስ ዝኽበር ዓለም ለኸ መዓልቲ ሰብኣዊ መሰል ምኽንያት ብምግባር ኣብ ዓለም ንዝርከቡ 15 ተማጎትቲ ሰብኣዊ መሰላት ዝወሃብ ሽልማት ኢዩ።

ኣይተ ኣምሃ መኮንን፥ ኣማኻሪ ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያን መስራቲ ተማጓትቲ ትካላት ሰብኣዊ መሰል፣ ጠበቓታት ሰብኣዊ መሰልን ኣውታረ መረብ ዲጂታል መሰል ኢትዮጵያን ኢዮም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.