Fana: At a Speed of Life!

ኣመራርሓን ሰራሕተኛታትን ዝተፈላለዩ ኣብያተ ዕዮ ፌዴራል ንኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዝኸውን ደም ለጊሶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ህዳር፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣመራርሓን ሰራሕተኛታትን ዝተፈላለዩ ኣብያተ ዕዮ ፌዴራል “ደምና ንሰራዊት ምክልኻል ሃገርና” ብዝብል ኣብ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ንዘሎዉ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዝኸውን ደም ለጊሶም።

ሚኒስትር ልምዓት ከተማን ኮንስትራክሽንን ኢንጅነር ኣይሻ መሓመድ ሓዊሱ ካልኦት ኣመራርሓን ሰራሕተኛታትን ኣብቲ ምልጋስ ደም ተሳቲፎም።

ከምኡ’ውን ሚኒስትር ሰራሕተኛን ማሕበራዊ ጉዳይን ዶክተር ኤርጎጌ ተስፋዬን ላዕለዎት ኣመራርሓን “ደምና ንሰራዊት ምክልኻል ሃገርና” ብዝብል መሪሕ ቃል ፕሮግራም ምልጋስ ደም ኣካይዶም።

እተን ሚኒስትር ኣብዚ እዋን ልኡላውነት ኢትዮጵያ ንምኽባር ክቡር ህይወቱ መስዋእቲ ኣብ ምግባር ንዘሎ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ደምና ብምልጋስ ንዕዑ ዘለና ክብሪን ደገፍን ብተግባር ክነርእይ ኣለና ኢለን።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.