Fana: At a Speed of Life!

መርሃ ግብሪ “ንክብሪ ሰራዊት ምክልኻል ደው ክብል ኢየ” ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)መርሃ ግብሪ “ንክብሪ ሰራዊት ምክልኻል ደው ክብል ኢየ” ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ይሳለጥ ኣሎ።

ዋና መርሃ ግብሪ ሎሚ መዓልቲ ረፋድ ሰዓት 5፡30 ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ን2 ደቒቕ ዝካየድ እንትኸውን፥ ቅድሚኡ ድማ ዝተፈላለዩ መደባት እናተኻየዱ ይርከቡ።

ኣበቲ ዘተገለፀ ሰዓት ኩሎም ኢትዮጵያውያን ኣብዘዘለዉዎ ኮይኖም ንሓደ ደቒቕ እዶም ኣብ ኣፍ ልቦም ገይሮም ጠጠው ብምባል ንሰራዊት ምክልኻል ዘለዎም ክብሪ ክገልፁ ኢዮም።

ንሓደ ደቕቒ ጠጠው ናይ ምባል ስነ-ስርዓት ምስተዛዘመ ዘላ ሓንቲ ደቒቕ ድማ ኣብ ዘለዉዎ ኮይኖም ብዘይ ምቁራፅ ብምጥቓዕ ንሰራዊት ምክልኻል ዘለዎም ሓገዝ ከምዝገልፁ ኢዩ ተሓቢሩ ዘሎ።

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ድማ ኣብ ኩለለን ክፍለ ከተማታት ዝተውፃእፅኡ ክፋላት ሕብረተሰብ፣ ሰራዊት ምክልኻልን ሰብ ሞያ ኪነ-ጥበብን ንክብሪ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ደው ክንብል ኢና ኣብ ዝብል መርሃ ግብሪ ኣብ ስታዲየም ኣበበ ቢቂላ ተረኺቦም ድጋፎም እናገለፁ ይርከቡ።

ኣብቲ ስነ ስርዓት ምክትል ከንቲባ ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤ ሓዊሱ ካልኦት ሓለፍቲ ስራሕ ተረኺቦም።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ሕጊ ንምኽባር ተዋፊሩ ልዑል ዓወት እናመዝገበ ዝርከብ ሰራዊት ምክልኻል ክብሪ ዝግበኦን ህዝቢን መንግስቲን ዝሃቦ ግቡእ እንትዋፃእ ብኸሓድቲ ሓይሊታት ዝተሰዉኡ ጀጋኑ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል እውን ክዝከሩ ኢዮም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.