Fana: At a Speed of Life!

ፅንፈኛ ጉጅለ ህወሓት መናእሰይ ትግራይ ዝተሰሓሓተ ኣረኣእያ ንክህልዎም ክሰርሕ ከምዝፀንሐ ኣብ ቁፅፅር ዝወዓሉ ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ እቲ ክልል ተዛሪቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ፅንፈኛ ጉጅለ ህወሓት መናእሰይ ትግራይ ዝተሰሓሓተ ኣረኣእያ ንክህልዎም ክሰርሕ ከምዝፀንሐ ኣብ ቁፅፅር ዝወዓሉ ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ እቲ ክልል ተዛሪቦም።

ካብ ቁልዕነቶም ጀሚሩ ዝተሰሓሓተ ኣረኣእያ ሒዞም ንከዓበዩ ንምግባር ብዙሓት ዓማውቲ “ህወሓት እንተወዲቑ ክትነብሩ ስለዘይትኽእሉ ንዝኾነ ይኹን ቃልሲ ተዳለዩ” ክብል ከምዝነበረ ተዛሪቦም።

እቲ ጉጅለ ንኣባላት ፍሉይ ሓይሊ እኹል ስንቂ ስለዘየቕርበሎም ኣብ ዝኸፍአ ፀገም ከምዝርከቡ ተዛሪቦም።

“ኣብ ከይዲ ቃልሲ ድማ ብዛይካ ንስኹም ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ክስዕር ዝኽእል ሓይሊ ብፍፁም የለን ኣይነብርን እውን” ብምባል ክሰብኽ ፀኒሑ ኢዩ ኢሎም።

ይኹን እንበር ኲናት ብተግባር ክፉእ ከምዝኾነ መሓዙቶም ካብ ጎኖም ክወድቁ ከምዝተረድኡ ኢዮም ገሊፆም።

ኣመራርሓ ንዓታቶም ተዋግኡ ኢሎም ድሕሪ ምሕላፎም ኣበይ ከምዘለዉ እንተይተዛረብዎም ከምዝጠፍኡ ግዜኢ ፀብፂቡ።

ሐዚ ብዘሎ ኩነታት ብዙሓት ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ንሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኢዶም ብሰላም ንምሃብ ድልየት ከምዘለዎምን ኣጋጣሚታት የፅበዩ ከምዘለዉን ተዛሪቦም።

ኣብቲ ፅንፈኛ ጉጅለ ዘለዉ ተንኮለኛታት እቲ ክልል ብዘይ መንእሰይ የቕርይዎ ኣለዉ ብምባል፥ ብውሱናት ውልቀ ሰባት መንእሰይ ትግራይ ክቕጠፍ ኣይብሉን ኢሎም።

ኣብ ክልል ትግራይ ካብ ትእዛዝ ህወሓት ዘንሳሕብ መንእሰይ ወይ ነባሪ እንተጋጢሙ ዝውሰደሉ ስጉምቲ ከቢድ ከምዝኾነ ሓቢሮም።

ኢዶም ንሰራዊት ምክልኻል ሃገር ድሕሪ ምሃቦም ምንም ዓይነት ፀገም ከምዘይበፅሖምን እቲ ሰራዊት ምክልኻን ይገብረሎም ከምዘሎን እውን ገሊፆም።

መናእሰይ ትግራይ ንዘይተደለየ ዕላማ ህይወቱ መስዋእቲ ይገብር ከምዘሎ ተገንዚቡ ብሰለማዊ መገዲ ንሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኢዱ ንክህብ ድማ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ጉጅለ ጥፍኣት ህወሓት ሰገናት ትግራይ ካብ ቤተሰቦም ብምንፃል ዝገብሮ ዓፈናን ተልእኾ ጥፍኣትን ብዙሓት ወለድቲ ኣብ ሓዘን ከምዘለዉ አወን እቶም ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ተዛሪቦም።

መናእሰይ ትግራይ ብህወሓት ዝተሰበኽዎ ዝተሰሓሓተ ሓሳብን ጭንቀት ስነ ልቦናን ንምስትኽኻል መንግስቲ ኣድላዪ ኩሉ ንክገበር ሓቶቶም።

መንግስቲ ዝጀመሮ ሕጊ ናይ ምኽባር ስጉምቲ ብምጥንኻር እቲ ህዝቢ ብህፁፅ ናፃ ንክወፅእ መናእሰይ አውን ካብ ህልቀት ንከድሕን ፃውዒት ኣቕሪቦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.