Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዝነብር ህዝቢ ንሰራዊት ምክልኻል ሃገር ልዕሊ 100 ሚሊየን ብር ድጋፍ ከምዝገበረ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዝነብር ህዝቢ ንሰራዊት ምክልኻል ሃገር ልዕሊ 100 ሚሊየን ብር ድጋፍ ከምዝገበረ መንግስቲ እቲ ክልል ገሊፁ።

ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዝነብር ህዝቢ ንሰራዊት ምክልኻል ሃገር ብገንዘበን ዓይነትን ክሳብ ሐዚ ልዕሊ 100 ሚሊየን ብር ደገፍ ከምዝገበረ ሓላፊ ቢሮ ጉዳያት ኮሚኒኬሽን ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ጌታቸው ባልቻ ኣፍሊጦም።

ነባሪ ‘ቲ ክልል ብሰላማዊ ሰልፊ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ጁንታ ህወሓት ዝወስዶ ዘሎ ስጉምቲ ካብ ምድጋፉን እቲ ጉጅለ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዝፈፀሞ መጥቃዕቲ ካብ ምውጋዝን ብተወሳኺ ዝተፈላለዩ ዓይነታት ደገፍ የበርክት ኣሎ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.