Fana: At a Speed of Life!

ካብ ትካላት ጥዕና ኣዲስ ኣበባ ዝተውፃእፅኡ 48 ሰብ ሞያታት ጥዕና ኣብ ክልል ትግራይ ሕጊ ንምኽባር እናተወሰደ ዝርከብ ስጉምቲ ንምሕጋዝ ናብቲ ቦታ ክኸዱ ኢዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ ሕዳር 7፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ካብ ትካላት ጥዕና ኣዲስ ኣበባ ዝተውፃእፅኡ 48 ሰብ ሞያታት ጥዕና ኣብ ክልል ትግራይ ሕጊ ንምኽባር እናተወሰደ ዝርከብ ስጉምቲ ንምሕጋዝ ናብቲ ቦታ ክኸዱ ኢዮም።

ኣብዚ ሕዚ እዋን እቶም ብኽልተ ኣንፈታት ናብቲ ቦታ ዘቕንዑ ሰብ ሞያታት ጥዕና ስነ ስርዓት ምፍናው ይግበረሎም ኣሎ፡፡

ኣብቲ ስነ ስርዓት ምፍናው ምክትል ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤን ሓላፊ ቢሮ ጥዕና ኣዲስ ኣበባ ዶክተር ዮሃንስን ሓዊሱ ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ተረኺቦም።

ካብ ሞንጎ እቶም ናብቲ ቦታ ዝጓዓዙ ጉጅለ ሰብ ሞያታት ጥዕና፥ 10 ስፔሻሊስት ሓኻይምን ኣብ ዘፈር ጥዕና ዝተፈላለየ ሞያ ዘለዎምን ከምዝርከቡዎ ተፈሊጡ።

ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ድማ ወፃኢ ናይቶም ሰብ ሞያታት ጥዕና ሓዊሱ ናውቲ ሕክምናን ኣድለይቲ ዝበሃሉ እታወታትን ኣማሊኡሎም።

ብለይኩን ኣለም

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.