Fana: At a Speed of Life!

መንግስቲ ፅንፈኛ ጉጅለ ህወሓት ናብ ሕጊ ንምቕራብ ዝወስዶ ዘሎ ስጉምቲ ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ክድግፎ ይግባእ – ቤ/ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር

ኣዲስ ኣበባ፣ ሕዳር 6፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)መንግስቲ ፅንፈኛ ጉጅለ ህወሓት ናብ ሕጊ ንምቕራብ ዝወስዶ ዘሎ ስጉምቲ ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ክድግፎ ከምዝግባእ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣፍሊጡ።

እቲ ቤት ፅሕፈት ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ፥ ጁንታ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ምክልኻል እዚ ሰሜን መጥቃዕቲ ምብፅሑ ስዒቡ መንግስቲ ፌዴሪኢ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሩ ኣብ ክልል ትግራይ እናካየዶ ዝርከብ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ እናቐፀለ ከምዝኾነ ኣገንዚቡ።

ነበር ኣባልን ኣቐባሊ ቓልን እቲ ዘይሕጋዊ ጁንታ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ምክልኻል እዚ ሰሜን መጥቃዕቲ ከምዘብፀሐ ትማሊ ምርግጋፆም ዝሓበረ እቲ መግለፂ፥ መንግስቲ ነዚ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ናብ ሕጊ ንምቕራብ ዘለዎ ቅዋም ካብ ማንም እዋን ንላዕሊ ጥንኩር ከምዝኾነ ገሊፁ።

ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ብዙሓት ከባቢታት እቲ ክልል ከምዝተቖፃፀረን ናፃ ምውፀኦም ስዒቡ ድማ እቲ ዘይሕጋዊ ጁንታ ዝፈፀሞም ገበናት ብዕሊ ምውፃእ ከምዝጀመሩን እቲ ቤት ፅሕፈት ገሊፁ።

ሚሊሻታት እቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ኣብ ማይካድራ ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ዜጋታት ዝፈፀሙዎ ጨፍጫፍ፥ እቲ ጉጅለ ዓለም ለኻዊ ሕጊታትን ድንጋገታትን ዝጠሓሰ ተግባር ምፍፃሙ ዘመላኽት ኢዩ እውን ኢሉ።

ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ዓለም ጉጅለ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ዜጋታት እናብፀሖ ዝርከብ ተግባር ስቕ ኢሎም ክሓልፉዎ ከምዘይግባእን ብኹሉ ዝተኽኣሎም ዓቕሚ ክኹንኑዎ ከምዘለዎምን ኣተሓሳሲቡ።

መንግስቲ ፌዴራል ኣብ ልዕሊ ገበነኛታት ጉጅለ ጁንታ ህወሓት ናብ ሕጊ ንምቕራብ እናወሰዶ ዝርከብ ስጉምቲ ክድግፉዎ ከምዝግባእ እውን ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣፍሊጡ ኣሎ።

ኢትዮጵያ ከይትረጋጋእ ዝገብሩ ሓይሊታትን ውልቀ ሰባትን ናብ ሕጊ ንምቕራብ እናተገበረ ዝርከብ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ሲቢላት ከይጉድኡ ናይ ጥንቃቐ መለክዒታት ብዝተኸተለ መልክዑ ዝካየድ ምዃኑ ዘረጋገፀ እቲ ቤት ፅሕፈት፥ እቲ ወፍሪ እንትዛዘም ውፅኢቱ ብዕሊ ዝረአ ከምዝኾነ እውን ገሊፁ።

እቲ ቤት ፅሕፈት ኣብ መግለፂኡ ከምዝበሎ፥ ኢትጵያ ከም ሓንቲ ሉኣላዊት ሃገር ልዕልነት ሕጊ ንምኽባር ኣብ ትገብሮ ወፍሪ ብዘይ ማንም ኢድ ኣእታውነት ናይ ምክያድ ዓቕሚ ኣለዋ።

ኩርዓት ሃገር ዝኾነ ሰራዊት ምክልኻል ፌዴሪኢ ካብ ባዕሉ ሃገር ሓሊፉ ብብርኪ ዓለም ሰላም ንምኽባር ኣብ ዝተዋፈረለን ሃገራት ስርሑ ብፍልጠት ዝዋፈር ከምዝኾነ ዘመስከረ ኢዩ ኢሉ እቲ መግለፂ።

መንግስቲ ፌዴራል፥ ሕገ-መንግስቲ ዝሃቦ ስልጣን መሰረት ብምግባር ሕጊ ናይ ምኽባር ስርሑ ከምዝቕፅል እውን ኣፍሊጡ።

ብዋና ፈፃሚ ስራሕ ዶክተር ሙሉ ነጋ ዝምራሕን ኣብ ክልል ትግራይ ዝተጣየሸ ጊዚያዊ ምምሕዳር ኣብቲ ክልል ልዕልነት ሕጊ ንኽኽበርን ዘላቒ ሰላም ንኽሰፍንን ከምዝገብር ዘለዎ እምነት ገሊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.