Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ሰሜን ኣሜሪካን ኣውሮፓን ዝርከቡ ሲቪካዊ ትካላት ኢትጵያ እብ ልዕሊ ጉጅለ ህወሓት ዝውሰድ ዘሎ ስጉምቲ ምኽባር ሕጊ ማሕበረሰብ ዓለም ትኽክለኛ ግንዛበ ንኽሕዝ ደብዳበ ዘርጊሖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ነባርነቶም ኣብ ሰሜን ኣሜሪካን ኣውሮፓን ዝርከቡ ሲቪካዊ ትካላት ኢትጵያ መንግስቲ እብ ልዕሊ ከሓዲ ጉጅለ ጥፍኣት ህወሓት ዝውሰድ ዘሎ ስጉምቲ ምኽባር ሕጊ ማሕበረሰብ ዓለም ትኽክለኛ ግንዛበ ንኽሕዝ በዓል ሰለስተ ገፅ ደብዳበ ዘርጊሖም።

እቲ ደብዳበ፥ ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት፣ ሕብረት ኣፍሪካ፣ ዓለም ለኻዊ ትካላትን ዝተፈላለያ ዓለም ለኸ ትካላትን ክባፃሕ ከምዝተገበረ ተፈሊጡ፡፡

ህወሓት ኣብዚ ሰሙን፥ ምስ ማሽነሪ ዓለም ለኸ ፕሮፓጋንዳ፣ ካልኦት ፅንፈኛ ሓይሊታት፣ ናይ ወፃኢ ጋዜጠኛታትን ምሁራን ብምትሕብባር፤ ኣብ ዓለም ለኸ መራኸብቲ ሓፋሽ፣ ኣባላት ፓርላማ፣ ማሕበራዊ ሚዲያን ዝግበር ዝተቀነባበረ ወፍሪ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ እናኾነ ዘሎ ኩነታት፣ እቲ ጎንፂ መዓዝ ከምዝጀመረ፣ ንምንታይን ብምንታይ ምኽንያትን ዝብሉ ጉዳያት ብዝምልከት ብዙሓት ናይ ሓሶት ተረኻታት ዘርጊሑ ኢዩ፡፡

ስለዝኾነ እቲ ሓቂ መንግስቲ ተገዲዱ ዝኣተዎ ኮይኑ እናሃለወ ትግራይ ንምውራር ከምዝኾነ ተገይሩ ንምቕራብ ዝውሰድ ዘሎ ምድንጋርን ሓሶትን ንምፅራይ፥ እቶም ትካላት ብሓባር ዘተ ብምግባር ዝተዳለወ ደብዳበ ኢዩ ተባሂሉ።

ትሕዝቶ እቲ ደብዳበ መበገሲ ብምግባር ድማ ኣብትርከቡሉ ሃገር፣ ንጋዜጠኛታት፣ ኣባላት ፓርላማ፣ ሲቪካዊ ትካላት፣ ብፍላይ እቶም ፅንፈኛታት ህወሓትን ናይ ወፃኢ ሓገዝቱን ትኹረት ዝገበሩሎምን ዝተሰሓሓተ ግንዛበ ዘለዎምን፣ ዝተሰሓሓተ መግለፂ ንዘውፅኡ ዝተፈላለዩ መንግስታዊን ዘይመንግስታዊን ፈፀርቲ ፅዕንቶ ከምኡ እውን ንመራኸብቲ ሓፋሽ ብምብፃሕ ምትሕብባር ንኽግበር ፃውዒት ቀሪቡ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.