Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ በይና ልዕልነት ሕጊ ንምኽባር ትገብሮ ወፍሪ ብብቕዓት ክትዛዝም ኢያ – ቀ/ሚ ኣቢይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ሓዳር፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኢትዮጵያ በይና ልዕልነት ሕጊ ንምኽባር ትገብሮ ወፍሪ ብብቕዓት ክትዛዝም ኢያ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣፍሊጦም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒሰስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ፌስቡክ ገፆም ከምዝፀሓፉዎ፥ “መወዳእታ ናይቲ ጉጅለ ጥፍኣት ተቓሪቡ ኢዩ” ክብሉ እውን ተዛሪቦም።

ብፍላይ ኣብ ዝሓለፉ መዓልቲታት ዝተርኣዩ ኩነታት ኣብ ውሽጢ ጉጅለ ህወሓት ዘሎ ጉጅለ ጥፍኣት ትኽክለኛ መንነቱ ዘቃልዑ ኢዮም ክብሉ ገሊፆም።

“ኣብ ምኽባር ልዕልነት ሕጊ ከምኡ እውን ንኢትጵያ ብምዝራፍ ሰላማ ክትስእን ብምህዋኽ ዝተዋፈሩ ኣካላት ብሕጊ ተሓተትቲ ብምግባር ዘላቒ ሰላም ንምህናፅ ክንሰርሕ ኢና” እውን ኢሎም።
ስለዝኾነ ድማ ኣብ ሰብኣዊን ሰላምን ገበን ዝፈፀሙ ኩሎም ተሓተትቲ ከምዝኾኑ ተዛሪቦም፡፡

ፍትሒን ልዕልነት ሕጊን ንምኽባር ብዘለና ውሳነ ብቆራፅነት ክንቅፅል ኢና ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ኢትዮጵያ በይና ብፅንዓትን ቆራፅነትን ደቂ ተባዕትዮን ኣንስትዮን ደቃ ልዕልነት ሕጊ ንምኽባር ትገብሮ ወፍሪ ብብቕዓት ክትዛዝም ኢያ ኢሎም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.