Fana: At a Speed of Life!

ሃገር ዝኸሓደ ጉጅለ ጥፍኣት ህወሓት ዝኹንን ሰልፊ ኣብ ከተማ ኣምቦ ተሳሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ጉጅለ ጥፍኣት ህወሓት ዝፈፀሞ ክሕደት ዝኹንንን ስጉምቲ ሰራዊት ምክልኻል ዝድግፍን ህዝባዊ ሰልፊ ኣብ ከተማ ኣምቦ ተሳሊጡ።

ነበርቲ ከተማ ኣምቦን ከባቢኣን ዘሳለጡዎ ሰልፊ፥ ኣረመኔያዊ ጉጅለ ጥፍኣት ሃገር ንምፍራስ ዝንቀሳቐስ ፀላኢ ምዃኑ ብምግላፅ፤ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ምክልኻል ዘብፀሖ መጥቃዕቲ ኮኒኖም።

መንግስቲ ልልነት ሕጊ ንምኽባር እናወሰዶ ዝርከብ ስጉምቲ ከምዝድግፉ እውን ኣፍሊጦም።

እቶም ነበርቲ፥ “ብሽርሒ ከሓዲ ጉጅለ ህወሓት ሓድነትና ኣይናጋዕን፣ ኣብ ጎኒ ጅግና ሰራዊት ምክልኻል ጠጠው ክንብል ኢና፣ ሓድነትና ኣስጢምና መፍረሲ ልኡኽቶ ህወሓትን ተለኣኣኽቱን ክነጋልፅ ኢና፣ እቲ ጉጅለ ዝፈፀሞ ክሕደት ሃገር ንኹንን” ዝብሉ ጭርሖታት ብምስማዕ ሰላማዊ ሰልፊ ከምዘካየዱ ግዜኢ ፀበፂቡ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.