Fana: At a Speed of Life!

ጥበብ ንኽብሪ ሃገር ዝተሰነየ ግብሪ ሓይሊ ተጣይሹ ስራሕ ከምዝጀመረ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ ሕዳር 5፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ግብሪ ሓይሊ ኪነ ጥበብ ኢትዮጵያ ጥበብ ንኽብሪ ሃገር ዝተብሃለ ግብሪ ሓይሊ ብምጥያሽ ስራሕ ምጅማሩ ኣፍሊጡ።

እቲ ግብረ ሓይሊ፥ ብጉጅለ ጥፍኣት ህወሓት ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዘብፀሖ መፅቃዕቲ ከምዝኾነኖ ሎሚ መዓልቲ ብ ዘሃቦ መግለፂ ኣብሪሁ።

ሰራዊት ምክልኻል ሰላም ህዝቢን ሃገርን ብምሕላው ዝተፈላለዩ ልኡኽቶታት ብብቕዓት ካብ ምውፃእ ሓሊፉ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ሞያ ናይ ባእሉ ኣበርክቶ ዘለዎን ሙያ ኪነጥበብ ሕዚ ንዝበፀሐሉ ብርኪ ዕዙዝ ግደ ከምዘለዎን ገሊፁ፡፡

ህዝቢ ነቲ ደጀን ሃገር ዝኾነ ሰራዊት ምክልኻል ዘለዎ ክብሪን ሓገዝን ንኽገልፅ እቲ ግብረ ሓይሊ ሓቲቱ፡፡

ብመተሓባባራይነት እቲ ግብረ ሓይሊ ሰሉስ 8 ሕዳር 2013 ዓ.ም ሰዓት ሓሙሽተ ጀሚሩ ንሳላሳ ደቕቕ “ንኽብሪ ሰራዊት ምክልኻል ጠጠው ክብል ኢየ” ብዝብል መሪሕ ቃል ካብ ላዕለዎት ኣመራርሓታት ጀሚሩ ኩሎም ህዝቢታት ኢትዮጵያ ኣብ ዘለዉሉ ደው ኢሎም ነቲ ሰራዊት ዘለዎም ክብሪ ዝገልፀሉ መዓልቲ ከምዝኾነ ኣፍሊጡ።

ብትዝታ ደሳለኝ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.