Fana: At a Speed of Life!

መልእኽቲ ታሕጓስ ዶክተር ደብረፂዮን

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሕዳር፣2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ከምዝፍለጥ ህዝቢ ትግራይ ንሰብኣውን ዴሞክራሲያውን መሰሉ፣ ንመንነቱን ክብረቱን ኣብ ዘካየዶ ተጋድሎ፣ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ዘርኣየኦ ጅግንነትን ዝፈፀመኦ ቕያን ብቃላት ንምግላፅ ኣዝዩ ዝኸብድ እዩ።

ሓፍትና ወ/ሮ ፍረወይኒ መብራህቱ እውን ናይዘን ዋዕሮታት ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ሕድርን መፅበዓን ኣፅንዕኺ ብምሓዝ፣ ኣብ ዝተዋፈርክሉ ዓውደ ስራሕ ብዘይሕለል ፃዕርን ስራሕን ናብዚ ዓወት እዚ ብምብፃኪ ብሓቂ ተሓብነ እየ። ካለኦት ደቂ ኣንስትዮ እውን ኣሰር ሓፍትና ወ/ሮ ፍረወይኒ መብራህቱ ብምኽታል፣ ኣብ ዝተዋፈርክናሉ ሞያ ብዝለዓለ ትግሃትን ተወፋይነትን ብምርብራብ ጭቡጥ ለውጢ ክተምፀኣ ይግባእ።

በዚ ኣጋጣሚ ነብሲወከፍና ኣብዚ ዘለናሉ ንኡስ መድረኽ ዘለው ኩለመዳይ ተፃቦኦታት ብሓያል ዝተወደበ ቃልስን መኸተን ብምፍሻል፡ ብሓያል ፃዕርን ዝተዋደደ ርብርብን ሰላማ ውሑስን ምዕብልቲ ትግራይ ንምህናፅ ኣብ ዝግበር ዘሎ ቃልሲ መሪሕ ተራ ክትፃወቱ ይፅዉዕ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.