Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያን ሞሮኮን ኣብ ኩለመዳይ ዓውዲታት ዘለዎን ምትሕብባር ንምጥንኻር ተስማሚዐን

ኣዲስ ኣበባ ፣ 5 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ ኣይተ ታገሰ ጫፎ ምስ ኣምባሳደር ኢትዮጵያን ጂቡቲን ንጉሠ ነገሥታዊ መንግስቲ ሞሮኮ ንዝሃ አላውዊ ሚሃምዲ ተዛቲዮም።

ኣብ እዋን እቲ ዘተ፥ ኢትዮጵያን ሞሮኮን ኣብ ኩለመዳይ ዓውዲታት ዘለዎን ምትሕብባር ንምጥንኻር ተስማሚዐን።

ክልቲአን ሃገራት ዝፀንሐ ታሪኽ ሕውነት ከምዘለወን ዘዘኻኸሩ እቶም ኣፈ ጉባኤ፥ እዚ ድማ ብርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ እናተጠናኸረን ብኣፍሪካዊ ሕውነታዊ ስምዒት እናጎልበተን ክኸይድ ከምዝግባእ ሓቢሮም።

ትሕብብር ክልቲአን ሃገራት ብዋናነት ባህጊ ህዝቢ ክልቲአን ሃገራት መሰረት ዝገበረ ክኸውን ከምዝግባእ እውን ተዛሪቦም።

ብመንፅር እዚ ክልቲኦም ህዝብታት ዝምልከቱ ስራሕቲ ብወከን ፓርላማ የስራሕ ከምዘሎ ገሊፆም።

ኣምባሳደር ንዝሃ ብግደአን፥ ሞሮኮን ኢትዮጵያን ካብ ዘበነ ነገስታት ዝጀመረ ናይ ነዊሕ እዋን ሕውነት ከምዘለወን ኣዘኻኺረን።

ነቲ ሕውነት ንምጥንኻር ዘኽእል ምትሕብባር ልምዓት ከምዝተጣየሸ እውን ገሊፀን።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.