Fana: At a Speed of Life!

ግድብ ተከዘ ብቡምባ ተደብዲቡ ብዝብል ዝናፈስ ሓበሬታ ሓሶት ከምዝኾነ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)መፈልፈሊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ተከዘ ብቡምባ ተደብዲቡ ተባሂሉ ብኣመራርሓታት ህወሓት ዝተፈነወ ሓበሬታ ሓሶት ምዃኑ መፃረዪ ሓበሬታ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ኣፍሊጡ።

እቲ መፃረዪ ሓበሬታ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ፥ ግድብ ተከዘ ከምካልኦት ግድባት ብመንግስቲ ፌዴራል ከምዝመሓዳደር ብምግላፅ፤ ፅንፈኛ ጉጅለ ህወሓት ቅድሚ ሓሙሽተ መዓልቲ ኣብቲ ቦታ ኣብ ልዕሊ ዝነበሩ ኣባላት ፖሊስ ፌዴራል መጥቃዕቲ ምፍፃሙ ገሊፁ።

ኣብልዕሊ እቶም ኣባላት ፖሊስ ፌዴራልብ ዘብፀሖ መጥቃዕቲ ክንደይ ዘኣኽሉ ከምዝሞቱን ከምዝሰሉን ኣይፈለጥ እምበር፥ 11 ኣባላት ፖሊስ ፌዴራል ጉዕዞ እግሪ 14 መዓልቲ ብምግባር ናብ ከተማ ጎንደር ምእታዎም ኣዘኻኺሩ።

ይኹን እምበር ኣብ ልዕሊ እቶም ኣባላት ፖሊስ መጥቃዕቲ ምስተፈፀመ ኣክቲቪስታት እቲ ፅንፈኛ ጉጅለ ህወሓት ግድብ ተከዘ ከምዝተቖፃፀሩ እናገለፁ ፀኒሖም ኢዮም ኢሉ እቲ መግለፂ።

መፃረዪ ሓበሬታ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ከምዝበሎ፥ በዓል ክልተ ቀስቲ ክበብ ዘለዎን ብማይ ዝተመልአን ግድብ ተከዘ ብቡምባ እንተዝውቃዕ ከስዕቦ ዝኽእል ምዕልቕላቕን ጥፍኣትን ክንደይ ክኸውን ከምዝኽእል ብምግማት ናይቲ ሓበሬታ ሓሶት ምዃኑ ብቐሊሉ ምርግጋፅ ይከኣል ኢዩ ኢሉ።

ህወሓት ናይ ሓሶት ሓበሬታ ብምፍናው ዝገብሮ ወፍሪ ኣጠናኺሩ ከምዝቐፀለሉ ኩሉ ሰብ ክግንዘብ እውን እቲ መፃረዪ ሓበሬታ ፃውዒት ኣቕሪቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.