Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኦሮሚያ ሰልፊ ድጋፍ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ክልል ኦሮሚያ ዝነብሩ ነበርቲ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ከሓዲ ጉጅለ ህወሓት እናወሰዶ ዝርከብ ስጉምቲ ምኽባር ሕጊ ኣጠናኺሩ ንኽቕፅል ሓቲቶም።

ነበርቲ ከተማ ኣዳማን ከባቢኣን ንሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዘለዎም ድጋፍ ብሰላማዊ ሰልፊ ገሊፆም፡፡

ካብ ከተማ ኣዳማ ብተወሳኺ ነበርቲ ሞጆ፣ ምዕራብ ሃረርጌ፣ ሱሉልታ፣ ዞባ ቦሮናን ከተማ ቡራዩን እውን ሰላማዊ ሰልፊ ብምግባር ድጋፍ ገይሮም ኢዮም፡፡

ብተወሳኺ ኣብ ከተማታት ዱከ፣ ለገጣፎ፣ ሰበታን ሆለታን ነቲ ጉጅለ ዝኹንኑ ሰልፊታት ተኻይዶም፡፡

ኣብቲ ዝተኻየደ ሰልፊ ስግብግብ ጉጅለ ጥፍኣት ህወሓት ካብ ባህሊ፣ ታሪኽን ስነልቦናን ኢትዮጵያውያን ዘይምጥን ከምዝኾነን እቲ ጉጅለ ሃገር ንምራስ ዝሰርሖ ሽርሒ ብሓባር ከምዘፍሽሉ ተዛሪቦም።

መንግስቲ እናሰርሖ ዝርከብ ስጉምቲ ምኽባር ሕጊ ኣጠናኺሩ ንኽቕፅል ዝተሓተተ እንትኸውን፥ ኣድላዪ ዘበለ ሓገዝ ከምዝገብሩ እውን ገሊፆም።

ብኣፈወርቅ እያዩን ሃብታሙ ተክለስላሴን

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.