Fana: At a Speed of Life!

ዶ/ር ሙሉ ነጋ ኣብ ክልል ትግራይ ዝተጣየሸ ግዚያዊ ምምሕዳር ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኮይኖም ተሸይሞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሕዳር፣2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ዶክተር ሙሉ ነጋ ኣብ ክልል ትግራይ ዝተጣየሸ ግዚያዊ ምምሕዳር ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኮይኖም ከምዝተሸሙ ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ገሊፆም።

ብመሰረት ውሳነ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን፥ ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ኣብ ብሄራዊ ክልል ዝጣየሽ ግዜያዊ ምምሕዳር ኣመልኪቱ ደምቢ ምፅዳቑ ይዝከር።

ዶክተር ኣቢይ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ፌስቡክ ገፆም ከምዝገለፁዎ፥ ብመሰረት እቲ ዝፀደቐ ደምቢ ዶክተር ሙሉ ነጋ ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኣብቲ ክልል ናይ ዝተጣየሸ ግዚያዊ ምምሕዳር ኮይኖም ተሸይሞም ኢዮም።

እቶም ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኣካል እቲ ጊዚያዊ ምምሕዳር ኮይኖም፥ ፈፀምቲ ኣካላት መንግስቲ እቲ ክልል ዝመርሑ ሓለፍቲ፣ ኣብቲ ክልል ዝንቀሳቐሱ ዝተፈላለዩ ሕጋዊ ፓርቲታት ፖለቲካ ብምምልማል ክሾሙ ኢዮም ኢሎም፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.