Fana: At a Speed of Life!

ሓላፊ ኮሚኒኬሽን ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ሜጀር ጄነራል ገብረመድህን ፍቃዱ ሓዊሱ ሃገር ብምኽሓድ ገበንን ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ንምፍራስን ብምሕሳብ ዝተጠርጠሩ ኣመራርሓ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ቤት ፍርዲ ቀሪቦም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 3 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሓላፊ ኮሚኒኬሽን ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ሜጀር ጄነራል ገብረመድህን ፍቃዱ ሓዊሱ ሃገር ብምኽሓድ ገበንን ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ንምፍራስ ብምሕሳብን ዝተጠርጠሩ ኣመራርሓ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ቤት ፍርዲ ቀሪቦም።

ሎሚ መዓልቲ ቤት ፍርዲ ዝቐረቡ ሓላፊ ኮሚኒኬሽን ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ሜጀር ጄነራል ገብረመድህን ፍቃዱ፣ ኣዛዚ እዝ ምዕራብ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ሜጀር ጄኔራል ይርዳው ገብረመድህን፣ ኣዛዚ ልምዓት ሓይሊ ሰብ እዝ ደቡብ  ብርጋዴር ጀኔራል ገብረዮኃንስ ሳርሲኒዮስ፣ ሓላፊ ዓውዲ ሓበሬታ እዝ ሰሜን ብርጋዴር ጀኔራል ኢንሱ ኢጳጆ ረሾን ሓዊሱ ሸውዓተ ተጠርጠርቲ ኢዮም።

ፖሊስ ፌዴራል እውን መንግስቲን ህዝብን ዝሃቦም ሓላፍነት ንጎድኒ ብምግዳፍ መቐመጢኡ ክልል ትግራይ ንዝገበረ ጉጅለ ፀረ ሰላም ላዕለዎት ኣመራርሓ ተልእኾ ብምቕባል ኣብ ውሽጢ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ካልኦት ብምውዳብ 24 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም ርክብ ሬዲዮ እዝ ሰሜን ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ከምዘቋረፁ ገሊፁ።

ብመሰረት እዚ እቲ ሰራዊት ባዕሉ ንባዕሉ ንከይራኸብን ንከይተሓዋወስን ብምግባር ኣብቲ ጦር ሞት፣ ጉድኣት ኣካልን ዘረፋ መሳርሒ ኣፅዋርን ንክፍፀም ገይሮምን ኢዮም ተባሂሉ።

ከምኡውን ኣብ ውሽጢ ዓዲን ካብ ወፃኢ ንዝመፅእ መጥቃዕቲን ንከይከላኸልን እዝ ሰሜን ንክፈርስን ብምግባር ብዝተዋደደ መገዲ ኦነግ ሸኔ ምስ ዝተብሃለን ካልኦት ሓይሊታት ፀረ ሰላምን ብምትሕብባር ኣብ ዝተፈላለዩ ክልላት ሃይማኖት ጉልባብ ገይሮም ጎንፂ ብሄር ብምልዓል ሃገር ንምብታን ይሰርሑ ከምዝነበሩ መርማሪ ፖሊስ ንመጋባእያ ኣረዲኡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.