Fana: At a Speed of Life!

 ዶ/ር ኢ/ር ስለሺ በቀለ ኣብ ቤት ምኽሪ ሚኒስቴራት ሃገራት ሃይቅታት ኢኳቶሪያል ተፋሰስ ናይል ኣካቢ ኮይኖም ተመሪፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሚኒስትር ማይ መስኖን ኢነርጂን  ዶ/ር ኢ/ር ስለሺ በቀለ ኣብ ቤት ምኽሪ ሚኒስቴራት ሃገራት ሃይቅታት ኢኳቶሪያል ተፋሰስ ናይል ኣካቢ ኮይኖም ተመሪፆም።

መበል 28 ቤት ምኽሪ ሚኒስቴራት ሃገራት ተፋሰስ ናይል ከምኡውን መበል 23 ቤት ምኽሪ ሚኒስቴራት ሃገራት ሃይቅታት ኢኳቶሪያል ተፋሰስ ናይል ስሩዕ ዓመታዊ ጉባኤኡ ብዌቢናር የሳልጥ ኣሎ።

ኣብቲ ጉባኤ ኢትዮጵያ ሓዊሱ ሚኒስትራት ማይ ቡሩንዲ፣ ዴሞክራቲክ ሪፐበሊክ ኮንጎ፣ ሱዳን፣ ግብፂ፣ ሩዋንዳ፣ ደቡብ ሱዳን፣ ኡጋንዳናን ታንዛኒያን ይሳተፉ ኣለዉ።

ኣብቲ ጉባኤ  ዶ/ር ኢ/ር ስለሺ በቀለ ኣብ ቤት ምኽሪ ሚኒስቴራት ሃገራት ሃይቅታት ኢኳቶሪያል ተፋሰስ ናይል ኣካቢ ኮይኖም ዝተመረፁ እንትኾኑ፥ ንዝቕፅል ሓደ ዓመት ኣካቢ ኮይኖም ዘገልግሉ ከምዝኾኑ ካብ ሚኒስቴር ማይ መስኖን ኢነርጂን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ዶ/ር ኢ/ር ስለሺ በቀለ ኣብቲ ጉባኤ ኣብ ዝገበርዎ ዘተ፥ ሃገራት ተፋሰስ ናይል ኣብ መሰረተ ልምዓት ማይ ኢንቨስት ናይ በምግባር ጉዳይ ህፁፅ ስለዝኾነ ቀዳምነት ዝወሃቦ ተግባር ኢዩ ኢሎም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.