Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ከተማ ወልዲያ ካብ ህወሓት ተልእኾ ብምቕባል ዝንቀሳቐሱ ዝነበሩ 25 ውልቀሰባት ኣብ ቁፅፅር ውዒሎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍቢሲ)ኣብ ዞባ ሰሜን ወሎ ከተማ ወልዲያ ካብ ህወሓት ተልእኾ ብምቕባል ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ጥፍኣት ንምፍፃም ዝንቀሳቐሱ ዝነበሩ 25 ውልቀሰባት ኣብ ቁፅፅር ውዒሎም።

እቶም ሓይሊታት ጥፍኣት ብነበርቲን ሓይሊታት ፀፅታን ናይ ሓባር ፃዕሪ ኣብ ቁፅፅር ከምዝወዓሉ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ሰላምን ደሕንነትን ህዝቢ ከተማ ወልዲያ ኢንስፔክተር ትእዛዙ ጫኔ ኣፍሊጦም።

እቶም ውልቀ ሰባት እንትተሓዙ ዝተፈላለዩ መታወቅያታት ከምዝተትሓዙ እቶም ኢንስፔክተር ተዛሪቦም።

ከምኡውን ሓደ ሰብ ክሳብ ትሽዓተ ዝበፅሕ ዝተፈላለዩ ደፍተራት ባንኪ ኣብ ውሽጦም ክሳብ 400 ሺሕ ብር ዝበፅሕ ከምዝተረኸቦም ገሊፆም።

ፖሊስ ኣብ ልዕሊ እቶም ተጠርጠርቲ ኣድላዪ ምርመራ ይገብር ከምዘሎ ካብ ኮሚሽን ፖሊስ ኣምሓራ ዝረኸብናዮ መረዳእታ ይሕብር።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.