Fana: At a Speed of Life!

ዶናልድ ትራምፕ ንውፅኢት ፕሬዚዳንታዊ መረፃ ኣሜሪካ ኣይቅበልን ምባሎም ዘሕፍር ኢዩ – ጆ ባይደን

ኣዲስ አበባ ፣ 2 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ዶናልድ ትራምፕ ንውፅኢት ፕሬዚዳንታዊ መረፃ ኣሜሪካ ኣይቅበልን ምባሎም ዘሕፍር ኢዩ ክብሉ ተዓዋቲ እቲ መረፃ ጆ ባይደን ገሊፆም።

ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ዝተሳለጠ መረፃ ኣሜሪካ ከምዝተዓወቱ ዝተነገረሎም ጆ ባይደን፥ ዶናልድ ትራምፕ ውፅኢት እቲ መረፃ ኣይቀበሉ እምበር ንሶም ግን ምስ መራሕቲ ሃገራት ወፃኢ ርክብ ምጅማሮም ተሓቢሩ።

ብዙሓት ዓበይቲ መራኸብቲ ሓፋሽ ዓለም ጆ ባይደን ከምዝሰዓሩ ዕላዊ እናገበራ ይኹን እመበር ዶናልድ ትራምፕ ግን ውፅኢት ኣብቲ መረፃ ከምዝተዓወቱ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ፅሒፎም ኢዮም።

ዋላኳ ቆፀራ መረፃ ሕዚ እውን ሙሉእ ቡሙሉእ እንተዘይተዛዘመ፥ መራኸብቲ ሓፋሽ ኣሜሪካ በቢኣርባዕተ ዓመት ኣብ ዝካየድ ፕሬዚዳንታዊ መረፃ ኣቐዲመን ተዓዋቲ ናይ ምግማት ልምዲ ኣለወን።

ነዙይ ስዒቡ ድማ ጆ ባይደን ካብ መራሕቲ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለም መልእኽቲ እንኳዕ ደስ በለኩም በፂሑዎም ኢዩ።

ይኹን እምበር ከይዲ ውፅኢት መረፃ ኣሜሪካ ዝመርሕ ኣካል መረጋገፂ ከምዘይሃበን ወግዓዊ ውፅኢት ድሕሪ ሓደ ወርሒ ከምዝግለፅን ኢዩ ተገሊፁ ዘሎ።

ጆ ባይደን፥ ኣካይዳ ዶናልድ ትራምፕ ውርሲ ፕሬዚዳንታ መረፃ ኣሜሪካ ዘቐፅል ኣይኮነን ምባሎም ቢቢሲ ፀብፂቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.