Fana: At a Speed of Life!

እስራኤል ዕስለ ኣምበጣ በረኻ ንምክልኻል 27 ድሮናት ሓገዝ ገይራ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍቢሲ)መንግስቲ እስራኤል ዕስለ ኣምበጣ በረኻ ንምክልኻል ዝሕግዛ 27 ድሮናት ሓገዝ ምግባሩ ሚኒስቴር ሕርሻ ፌዴሪኢ ኣፍሊጡ።

እቲ ሚኒስቴር ከምዝገለፆ፥ ካብተን ድሮናት ብተወሳኺ ክልተ ጀነሬተራት እውን ኣበርኪቱ ኢዩ፡፡

ሚኒስትር ሕርሻ ኣይተ ዑመር ሑሴን፥ እተን ድሮናት ብምጥቃም ለይቲ ለይቲ ነፀጋ ብምግባር ውፅኢታዊ ስራሕቲ ምክልኻል ንምግባር ከምዝሕግዝ ገሊፆም፡፡

በተን ድሮናት ዝተሓገዝ ዳህሳስ መፅናዕቲ ብምግባርን ሓበሬታታት ብምእካብን ውፅኢታዊ ስራሕቲ ምክልኻል ንምስራሕ ከምዝሕግዛ እውን ተዛሪቦም፡፡

ኣምባሳደር እስራኤል ኣብ ኢትዮጵያ ራፋኤል ሞፋራ ብግደኦም፥ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተርኣየ ዕስነለ ኣምበጣ በረኻ ንምክልኻል ብድሮን ዝተሓገዘ ሓበሬታ ምእካብን ለይቲ ድማ ነፀጋ ብምክያድን ስራሕቲ ምክልኻል ንምስራሕ ከምዝሕግዙ ገሊፆም፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.