Fana: At a Speed of Life!

ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ ህዝቢ ከባቢኡ ብንቕሓትን ብዝተዋደደ መልክዑን ንኽሕሉ ፀዊዖም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 2 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ህዝቢ ከባቢኡ ብንቕሓትን ብዝተዋደደ መልክዑን ንኽሕሉ ፀዊዖም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ፌስቡክ ገፆ ከምዝገለፁዎ፥ ጁንታ ህወሓት ፀሓዩ እናዓረበቶ ከምዝኾነትን እዚ ድማ እቲ ጉጅለ ብደዉ ከምዝተረደአን ገሊፆም።

እቲ ጉጅለ ሕዚ ዝሕዞን ዝጭብጦን ዝስእነሉ እዋን ኢዩ ዝበሉ እቶም ቃዳማይ ሚኒስትር፥ “ብመንፈስ ፃዕረ ሞት ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ናይ መወዳእታ ጥፍኣት ክድግስ ይኸውን ኢዩ” ኢሎም።

ምስዚ ተተሓሒዙ ተወለድቲ ትግራይ ዝኾኑ ወገናት በቢከባቢኡ ዝኾነ ይኹን ኣሉታዊ ፅዕንቶ ከይበፅሖም ኩሉ ሰብ ናይ ኣሕዋቱ ሓላዊ ክኸውን ከምዝግባእ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

ፀላኢ ኢትዮጵያ ስግብግብ ጁንታ ከምዝኾነ ብምጥቃስ ህዝቢ ትግራይ ከምካሊእ ህዝቢ በቲ ጁንታ መከራ ዝረኣየ ህዝቢ ከምዝኾነ ኣፍሊጦም።

ህዝቢ ትግራይ እውን እቲ ጉጅለ ናብ ፍርዲ ንምቕራብ ኣብ ጎኒ ሰራዊት ምክልኻል ኮይኑ እናተዋገአ ከምዝርከብ ገሊፆም።

ህዝቢ፥ ከባቢየይ ክሕሉ ኢየ፤ ኣርዑት መከራ ህዝቢ ኢትዮጵያ ክሰብር ኢየ፤ ነቲ ጁንታ ናብ ፍርዲ ከቕርብ ኢየ ዝብሉ ኣካል ቃል ኪዳኑ ክገበር ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.