Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ዝወዓሉ ዕጡቓት ፍሉይ ሓይሊ ህወሓት መናእሰይ መፈፀምቲ እኩይ ዕላማ እቲ ጉጅለ ጥፍኣት ካብ ምዃን ክቑጠቡ ኣገንዚቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ፍሉይ ሓይሊን መናእሰይን ትግራይ መፈፀምቲ እኩይ ዕላማ እቲ ጉጅለ ጥፍኣት ካብ ምዃን ክቑጠቡ ከምዝግባእ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ዝወዓሉ ዕጡቓት ፍሉይ ሓይሊ ህወሓት ገሊፆም።

ቅድሚ ሓደ ሰሙን ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ልዕሊ ዝነበረ ሰራዊት ምክልኻል እዚ ሰሜን ብጉጅለ ህወሓት ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ስዒቡ፤ ሰራዊት ምክልኻል ፌዴሪኢ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ብዝተውሃቦ ልኡኽቶ ምድሓን ሃገር ስራሕቲ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ እናሳለጠ ይርከብ።

5ይ ሜካናይዝድ ክፍለ ጦር እቲ ሰራዊት ዕጡቓት ህወሓት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ኣውዒሉ ኢዩ።

እቶም ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ዝወዓሉ ዕጡቓት ፍሉይ ሓይሊ ትግራይ ዝተፀምበሩ ናብረኦም ንምድፋእ እምበር ምስ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ንምውጋእ ከምዘይኮነ ገሊፆም።

ናብረኦም ንምስዓር ብዝብል ናብ ፍሉይ ሓይሊ ይእተዉ እምበር ጉጅለ ጥፍኣት ህወሓት መፈፀሚ እኩይ ዕላምኡ ካብ ምዃን ወፃኢ ዝረኸቡዎ ነገር ከምዘይነበረ ተዛሪቦም።

ምስ ሰራዊት ምክልኻል ምጉናፅ ማለት ምስ ኢትዮጵያ ምጉናፅ ከምዝኾነ እውን ገሊፆም ኢዮም።

የትግራይ ልዩ ኃይል እና ወጣትም የህወሓት የጥፋት ቡድን ሰላባ እንዳይሆኑ ከሃገር መከላከያ ሠራዊቱ ጎን መቆም እንዳለባቸው ተናግረዋል

ፍሉይ ሓይሊን መናእሰይን ትግራይ እውን መፈፀምቲ እኩይ ዕላማ እቲ ጉጅለ ጥፍኣት ንዘይምዃን ኣብ ጎኒ ሰራዊት ምክልኻል ጠጠው ክብሉ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።

እቶም ዕጡቓት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ምስ ወዓሉ በቲ ሰራዊት ምክልኻል ዝበፅም ፀገም ከምዘየለን ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ፅቡቕ ኩነታት ከምዝርከቡን ተዛሪቦም።።

ሰራዊት ምክልኻል ሃገር እናሰርሖ ዝርከብ ወፍሪ ኣባላት ፍሉይ ሓይሊን ምሊሻን ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር እናወዓሉ ከምዝኾኑ ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.