Fana: At a Speed of Life!

ፊንላንድ ንመፈፀሚ ሃገራዊ መረፃ ዝውዕል 800 ሺሕ ዩሮ ሓገዝ ክትገብር ኢያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ሕዳር፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ፊንላንድ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝካየድ ሃገራዊ መረፃ መፈፀሚ ዝውዕል 800 ሺሕ ዩሮ ብመልክዕ ሓገዝ ክትህብ ኢያ።

እቲ ስምምዕነት ሓገዝ ኣምባሳደር ፊንላንድ ኣብ ኢትዮጵያ ሄሌና ኤራክሲነን  ተወካሊ ትካል ልምዓት ውድብ ሕቡራት መንግስታት  ቱርሃን ሳልሕን ኢዮም ተፈራሪሞምዎ።

ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ኢትዮጵያ ዴሞክራሲ ንክምዕብልን መፃኢ መረፃ ግልፂን ሰላማዊ ብዝኾነ መገዲ ንኽካየድን ዝጀመሮ ፕሮጀክት ዝውዕል ሓገዝ ምዃኑ ተገሊፁ።

እቲ ፕሮጀክት፥ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ሃገራዊ መረፃ ንኹሉ ዘሳትፍ፣ ግልፂን ተኣማኒን ንምግባር ከምኡ እውን ንምዕባይ ዓቕሚ ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ዝዓለመ ኢዩ።

መፃኢ መረፃ ንኢትዮጵያ ብጣዕሚ ወሳኒ ከምዝኾነ ኣምባሳደር ሄለና ኣብቲ ስነ ስርዓት ፌርማ ተዛሪበን።

ፊንላንድ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ሃገራዊ መረፃ ተኣማኒን ሰላማዊ ብዝኾነ መገዲ ንኽዛዘም ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ሕገዝ ምግባራ ሕጉስቲ ከምዝኾነት እውን እተን ኣምባሳደር ገሊፀን።

 

ፍልፍል፦ ኣምባሳደር ፊንላንድ ኣብ ኢትዮጵያ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.