Fana: At a Speed of Life!

ካብ ሸራሮ ክሳብ ዛላምበሳ ዘለዉ ክፍሊታት ሓሊታት እዚ ሰሜን ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ፅቡቕ ቁመና ምድላው ይርከቡ – ሌተናል ጀነራል ባጫ ደበሌ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ካብ ሸራሮ ክሳብ ዛላምበሳ ዘለዉ ሓሊታት ክፍሊ እዚ ሰሜን ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ፅቡቕ ቁመና ምድላው ከምዝርከቡ ሌተናል ጀነራል ባጫ ደበሌ ገሊፆም።

ሌተናል ጀነራል ባጫ ደበሌ ኣብ እዋናዊ ጉዳይ ኣድሂቦም ሎሚ መዓልቲ መግለፂ ምሃቦም ካብ ሰራዊት ምክልኻል ፌዴሪኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ኣብ መግለፂኦም ድማ ካብ ሸራሮ ክሳብ ዛላምበሳ ዘለዉ ክፍሊታት ሓሊታት እዚ ሰሜን ብኣካል ረኺቦምዎም ምምፀኦም ገሊፆም።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ድማ ኩሎም ካብ ሸራሮ ክሳብ ዛላምበሳ ዘለዉ ሓይሊታት ክፍሊ እዘዚ ሰሜን ኣብ ፅቡቕ ቁመና ምድላው ከምዝርከቡ ኣፍሊጦም።

ምክትል ላዕለዋይ ኢታማዡር ሹም ሌተናል ጀነራል ኣበባው ታደሰ ኣብቲ ቦታ ተረኺቦም ነቲ ሰራዊት እናመርሑዎ ከምዝርከቡ እውን ገሊፆም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.