Fana: At a Speed of Life!

ህወሓት ምድጋፍ ገበን ኢዩ – ብሄራዊ ሸንጎ ኣገው

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር መጥቃዕቲ ዝፈፀመ ጉጅለ ህወሓት ምድጋፍ ገበን ኢዩ ክብል ብሄራዊ ሸንጎ ኣገው ገሊፁ።

መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ህወሓት ዝጀመሮ ስጉምቲ ምኽባር ሕጊ ንኸጠናኽር፣ ህወሓት ድማ ብተግባሩ ተናሲሑ ምሕረት ክሓትት ከምዝግበኦ ገሊፁ።

ኣመራርሓታት ብሄራዊ ሸንጎ ኣገው፥ ጉጅለ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር እዚ ሰሜን ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ኣዚዩ ከምዘሕዘኖም ገሊፆም።

ኣቦ መንበር እቲ ውድብ ኣይተ ኣላምረው ይርዳው፥ ኣብዚ ሰሙን ሃገር ዝሕሉን ንመንግስቲ እቲ ክልል ኣሚኑ ዝተቐመጠን ሰራዊት ምክልኻል ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ካብ ወታደራዊ ሕጊ ዝረሓቐ፣ ንኢትዮጵያውያን ዘሕዘነ ተግባር ኢዩ ኢሎምዎ።

ህወሓት ኣብ ብረታዊ ቃልሲ ኣብ ዝነበረሉ እዋን እውን ካብ መላእ ኢትዮጵያ ተኣኻኺቦም ንናፅነት እናተቓለሱ ኣብ ልዕሊ ዝነበሩ ተጋደልቲ ኢህኣፓ ኣብ ዝደቀሱሉ ብጅምላ ከምዝረሸኑዎም ኣዘኻኺሮም።

ሕዚ ድማ መንግስቲ ኮይኑ ኣብ ዝመርሐሉ ክልል ሉኣላዊነት ሃገር እናተኸላኸለ ዝነበረ ሰራዊት መጥቃዕቲ ብምፍፃም ኣብ ኢትዮጵያ ንኻልኣይ እዋን ክሕደት ከምዝፈፀመ ገሊፆም።

ሓላፊ ዘፈር ጉዳያት ወፃኢ እቲ ውድብ ኣይተ ፍቓዱ መስፍን ብግደኦም፥ ህወሓት ዝፈፀሞ ተግባር ፓርቶም ከምዘሕዘነ ገሊፆም።

ኣብ ሓንቲ ሃገር ክልተ መንግስቲ ኣይህሉን ዝበሉ እቶም ኣመራርሓታት፥ መነግስቲ ሰላምን ድሕንነትን ዜጋታት ንምሕላው ኢሉ እውን ሕገ-መንግስታዊ ስርዓት ከይፈርስ ኣብ ምክልኻል ግቡኡ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

መንግስቲ ሕጊ ኣብ ዘኽብረሉ እዋን ንፁሃን ከይጉድኡ ጥንቃቐ ክገብርን ድሕንነት ዜጋታት ክሕሎን ከምዝግባእ እውን ኣተሓሳሲቦም።

ህዝቢ ትግራይ እውን ኣብ ጎኒ ኢትዮጵያውያን ጠጠው ክብሉ ይግባእ ምባሎም ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.