Fana: At a Speed of Life!

ካብ ህወሓት ልኡኽ ጥፍኣት ብምቕባል ኣብ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ከባቢታት እዛ ሃገርን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ህልቀት ንምብፃሕ ሃገር ንምፍራስ ክንቀሳቀሱ ዝፀንሑ ጉጅለ ጥፍኣት ኣብ ቁፅፅር ውዒሎም  

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢሲ)ካብ ህወሓት ልኡኽ ጥፍኣት ብምቕባል ኣብ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ከባቢታት እዛ ሃገርን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ህልቀት ንምብፃሕ ሃገር ንምፍራስ ክንቀሳቀሱ ዝፀንሑ ጉጅለ ጥፍኣት ኣብ ቁፅፅር ከምዝወዓሉ ብሄራዊ ኣገልግሎት መረዳእታን ደሕንነትን ኣፍሊጡ።

ብሄራዊ ኣገልግሎት መረዳእታን ደሕንነትን ነቲ ጉዳይ ኣመልኪቱ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝለኣኾ መግለፂ ከምዝበሎ፥ ካብ ህወሓት ልኡኽ ጥፍኣት ብምቕባል ኣብ ክልል ጋምቤላ ኣብ መንጎ ብሄራትን ብሄረሰባትን ጎንፂ ብምፍጣር እቲ ከባቢ ናይ ትርምስ ቀጠና ንምግባር ዝንቀሳቐሱ ዝነበሩ ሓይሊታት ብዝተገበረ ጥቡቕ ክትትል ኣብ ቁፅፅር ከምዝወዓሉ ኣፍሊጡ።

ኣካል እቲ ጉጅለ ጥፍኣት ዝነበሩ ይኹን እንበር ናብ ኣዲስ ኣበባ ብምምፃእ ልኡኾም ብሕቡእ ንምፍፃም ዝንቀሳቐሱ ዝነበሩ ኣለም ደስታ ሓየሎምን ጋትክቦም ዝተብሃሉ ተጠርጠርቲ ጉጅለ ጥፍኣት ኣብ ዘለውሉ ብምህዳን ኣብ ቁፅፅር ንክውዕሉ ተገይሩ ኣሎ።

ቅድም ክብል ዕላዊ ኣብ ዝተገበረ ሓበሬታ ከምዝተገለፀ፥ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ህልቀት ብምፍፃም እቲ ክልል ቀጠና ትርምስ ንምግባር ካብ መንጎ ዝንቀሳቐሱ ዝነበሩ ተጠርጠርቲ  ጸጋዬ መብርሃቱ (ካህሳይ)፣ ገብረማሪያም አናንያ፣ ዋስትና ተሾመ (ጃል ሴና)፣ አብርሃም መሃሪ፣ ኮሎኔል ተስፋዬ (ባሌስትራ)ን ብድምሩ 19 ሓይሊታት ጥፍኣት ህወሓትን ኦነግ ሽኔን ኣብ ቁፅፅር ከምዝወዓሉ እቲ መግለፂ ኣዘኻኺሩ።

ብተመሳሳሊ ኣብ ክልል ቤኒሻንጉልጉምዝ  ዞባ መተከል ዝተፈፀመ ተመሳሳሊ ጥፍኣት ኣብ ዞባታት ኣሶሳን ካማሼን ብሄር ብሄረሰባት ብምግጫው እቲ ከባቢ ቀጠና ትርምስ ብምግባር ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ህልቀት ንምፍፃም ኣባል ጉጅለ ጥፍኣት ህወሓት ካብ ዝኾነ ኣባይ ፀሃየ ተልእኾ ብምውሳድ ዝንቀሳቐሱ ዝነበሩ ተጠርጠርቲ ኣብ ቁፅፅር ንክውዕሉ ምግላፁ ይዝከር። ብሄራዊ ኣገልግሎት መረዳእታን ድሕንነትን ንመራኸብቲ ሓፋሽ ኣብ ዝለኣኾ መግለፂ ከምዝበሎ፥ ብተወሳኺ ኣርባዕተ ተጠርጠርቲ ኣባላት ጉጅለ ጥፍኣት ህወሓት ዝኾኑ ኣብ ቁፅፅር ንክውዕሉ ተገይሩ ኢዩ።

እቶም ዝተትሓዙ ኣርባዕተ ተጠርጠርቲ ተክላይ ገብረ መድህን፣ ፍሰሃ ወልደ እግዚአብሄር፣ አብርሃ ገብረ ሚካኤልን ተስፋ ገብረ ሚካኤልን ከምዝኾኑ እቲ መግለፂ ኣፍሊጡ።

ካብቲ ጉጅለ ጥፍኣት ተልእኾ ብምቕባል ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ጭፍጨፋ ንክፍፀም ስምሪት ዝተውሃቦም እቶም ዝተገለፁ ኣርባዕተ ውልቀ ሰባት ኣብ ኢዶም 59 ዝኾኑ ደፍተራት ባንኪ ዝተትሓዘ እንትኸውን፥ ተክላይ ገብረመድህን ዝተብሃለ ተጠርጣሪ ኣብ ውሽጢ ሃገር ናይ ዘለዉ ዝተፈላለዩ ባንኪታት 19 ደፍተራት ባንኪ ብምኽፋት ክንቀሳቐስ ካብ ምፅንሑ ንላዕሊ ኣብቲ ሓደ ደፍተር ሒሳብ ጥራሕ ካብ 12 ሚሊየን ብር ንላዕሊ ከምዝተረኸቡ እቲ መግለፂ ሓቢሩ። ኣብ ክልል ቤኒሻንጉል ጉምዝ  የማነ ግርማይን ዮሃንስ ግርማይን ዝተብሃሉ ተለኣኣኽቲ ጉጅለ ጥፍኣት ህወሓት ሓዊሱ ብድምሩ 23 ተጠርጠርቲ ኣብ ቁፅፅር ከምዝወዓሉ ብሄራዊ ኣገልግሎት መረጃን ደሕንነትን ኣፍሊጡ።

ካብ ጉጅለ ጥፍኣት ህወሓት ተመሳሳሊ ተልእኾ ብምቕባል ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባን ከባቢኡን ኣብ ልዕሊ ላዕለዎት ሰብ መዚ ንፁሃን ዜጋታትን ከምኡውን ኣብ ልዕሊ ዓበይቲ መሰረተ ልምዓታት ንኣብነት ለገዳዲን ገፈርሳን ዝርከቡ ግድባት ማይ ከምኡውን ኣብ ለገጣፎ ዝርከብ ልዑል መተሓላለፊ ማይ መስመር መጥቃዕቲ ፈንጂ ንምፍፃም ምድላው ክግብሩ ዝፀንሑ ኣባላት ኦነግ ሸኔ ንተልእኾ ጥፍኣት ምስ ዘዳለውዎም ተቐፃፀልቲ ፈንጂታትን ካልኦት ናውቲን ኣብ ቁፅፅር ውዒሎም። እቲ ልኡኾም እንተዘይፈሸል ነይሩ ኣብ ልዐሊ ህዝቢ ልዑል ማሕበራዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ሰብኣዊን ቀውሲ ከስዕብ ከምዝነበረ እቲ መግለፂ ኣዘኻኺሩ። ኣካል እቲ ጥፍኣት ዝነበሩን ጉጅለ ጥፍኣት ዘዋፈሮምን  ቶሎሳ አብዲሳ፣ ደጀኔ ፍቃዱ፣ ሀብታሙ ተስፋየ መርጋ፤ ንጉሴ አሰፋን ፈልማት ታከለን ዝተብሃሉ ተጠርጠርቲ ከምዝኾኑ ኣብቲ መግለፂ ኣመላኺቱ።

ብኻሊእ መዳይ ጋዲሳ ሞሲሳ ባይሳ ዝተብሃለ ኣካል እቲ ጉጅለ ጥፍኣትን ተሓባበርቱን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ዜጋታት መጥቃዕቲ ቡምባ ንምፍፃም ምስ ዘዳለዎም ቡምባታት ኣብ ቁፅፅር ከምዝወዓሉ  ብሄራዊ አገልግሎት መረዳእታን ደሕንነትን ኣፍሊጡ።

ብፍላይ ናይቲ ጉጅለ ጥፍኣት ዝኾነ ህወሓት ተልእኾ ብምቕባል ኣብ ትሕቲኦም ካብቲ ጉጅለ ስልጠና ዝወሰዱ ሓይሊታት ብምውዳብ ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ዜጋታት መጥቃዕቲ ንምፍፃምን ጥፍኣት ንምብፃሕን ኣብ ምድላው እንተለዉ ኣብ ቁፅፅር ከምዝወዓሉ ገሊፁ።

ጉጅለ ጥፍኣት ህወሓት ኣብ ክልል ትግራይ ሃግቦ ኣብ ዝተብሃለ ከባቢ ወታዳራዊ ስልጠና ብምሃብ ናይ ቀታሊን መቕተሊን ጉጅለ ሰብ ዋና ሃይሉ በርሀ ብቕፅል ስሙ ሀይሉ ሳንቲም ተባሂሉ ብዝፅዋዕ ኣተሓባባሪ ጉጅለ ጥፍኣት ህወሓት ስም ብዝተጣየሸ “ንስር የግል ጥበቃ ኤጀንሲ” ሽፋን ድሕሪ ምእታዉ ኢዩ መጥቃዕቲ ንምፍፃም እንትንቀሳቐሱ ኢዩ ብሄራዊ  አገልግሎትመረዳእታን ደሕንነትን ምስ ፌዴራል ፖሊስን ኣዲስ ኣበባ ፖሊስን ብምውዳድ በዝገበርዎ ክትትል ኣባላት እቲ ጉጅለ ኣብ ቁፅፅር ምውዓል ዝተኽኣለ።

ብተመሳሳሊ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብምዃን ንጉጅለ ጥፍኣት ህወሓት ዝተፈላለዩ ሓበሬታታት እናተኣኻኸበ እንትልእኽ ዝነበረን ካብ መናእሰይ ኦሮሞ እናመልመለ ንስልጠና ናብ ትግራይ ብምልኣኽን ተልእኾ ዓመፅ ካብቲ ጉጅለ ጥፍኣት ብምቕባል ክልል ኦሮሚያ ንዝርከቡ ጉጅለ ጥፍኣት ኦነግ ሸኔ ከተሓላልፍ ዝፀንሐ ቶማስ ገብረማሪያም ዝተብሃለ ተጠርጣሪ ኣብ ቁፅፅር ንክውዕል ተገይሩ ኢዩ።

ብተወሳኺ እቲ ጉጅለ ጥፍኣት ኣብ ክልል ኦሮሚያ ከተማ ኣዳማ፣ ክልል ሲዳማ ከተማ ሃዋሳ፣ ክልል ደቡብ ድማ ዞባታት ወላይታ፣ ጋሞጎፋ፣ ሃድያ፣ ስልጤን ጌዲዮን ከምኡውን ክልል ሶማሌ ከተማ ጅጅጋን ምምሕዳር ከተማ ድሬዳዋን ተመሳሳሊ ትርምስን ህልቀትን ብተለኣኣኽቲ ኣቢሉ ንምፍፃም እንትንቀሳቐሱ ብድመር  21 ተጠርጠርቲ ብዝተፈላለዩ መሳርሒታት ጦርን መሰል ናውቲን ኣብ ቁፅፅር ንክውዕሉ ከምዝተገበረ እቲ ቤት ዕዮ ኣፍሊጡ።

ኣብ መወዳእታ እቲ ኦፕሬሽን ንምዕዋት ተሳትፎ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዘይትካእ ግደ ዘለዎ እንትከውን፥ ብተወሳኺ ብሄራዊ ኣገልግሎት መረዳእታን ደሕንነትን፤ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር፤ ኮሚሽን ፖሊስ ፌዴራል፣ ኮሚሽን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ፤ ኮሚሽነራት ፖሊስ ክልልላትን ካልኦት ኣካላት ፀፅታን ብምውዳድ እቲ ውፅኢት ንክመፅእ ግዴተኦም ተዋፂኦም ኢዮም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.