Fana: At a Speed of Life!

ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን መንግስቲ ፌዴራል ኣብ ክልል ትግራይ ጣልቃ ንክኣቱን ግዚያዊ ምምሕዳር ንክጣየሽን ኣፅዲቑ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 28 ጥቅምቲ ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ) ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን መንግስቲ ፌዴራል ኣብ ክልል ትግራይ ጣልቃ ንክኣቱን ግዚያዊ ምምሕዳር ንክጣየሽን ኣፅዲቑ።
እቲ ቤት ምኽሪ ሎሚ መዓልቲ ህፁፅ ኣኼብኡ ኣሳሊጡ።
ኣብቲ ኣኼባ ዝቐረበ ውሳነ ሓሳብ ብምዝታይ ብሙሉእ ድምፂ ኣፅዲቑ።
ብተወሳኺ ባይቶ ክልል ትግራይን ፈፃሚ ስራሕን ተኣጊዱ እቲ ዝጣየሽ ግዚያዊ ምምሕዳር ነቲ ኣፈፃሚ ናይ ምምራሕን ምርጫ ናይ ምክያድን ሓላፊነት ነክወሃቦ
ኣብቲ ውሳነ ሓሳብ ተቀሚጡ።
እቲ ክልል ብዛዕባ ዘሎዎ ኩነታት ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ በቢሰለስተ ወርሒ ነቲ ቤት ምኽሪ ፀብፃብ ንከቕርቡ ዝብል ተኻቲቱ ኣሎ።
ኣብቲ ኣኼባ ንዝቐረበ ውሳነ ሓሳብ ብምዝታይ ብሙሉእ ድምፂ ፀዲቑ።
እቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ፀረ ሃገራዊ ሰላምን ሓደገኛን ብምዃኑ ኩነታት ንምርግጋዕ እቲ ውሳነ ሓሳብ ከምዝፀደቐ ተገሊፁ።
እቲ ውሳነ ሓሳብ ግቡእን እዋናውን ብምዃኑ ተፈፃሚ ክኸውን ይግባእ ክብሉ ኣባላት እቲ ቤት ምኽሪ ርእይተኦም ሂቦም።
እቲ ጉጅለ ሃገር ንከይትረጋጋዕን ብስእነት ሰላም ንክትሕመስን ይሰርሕ ብምህላዉ ካብ ልክዕ ዝሓለፈ ትዕግስቲ ዘርኣየ መንግስቲ ፌዴራል ብህፁፅ ተፈፃሚ ንክገብሮ ሓቲቶም።
ብሃብታሙ ተክለስላሴ
እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.