Fana: At a Speed of Life!

30 ጥቅምቲ ንኽጅመር ዝተወሰነሉ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ገፅ ንገፅ ንዘይተወሰነ እዋን ተናዊሑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)30 ጥቅምቲ ንኽጅመር ዝተወሰነሉ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ገፅ ንገፅ ንዘይተወሰነ እዋን ከምዝተናወሐ ቢሮ ትምህርቲ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ።

ተፈተንቲ ክልላዊን ብሄራዊን ፈተና ንዝኾኑ ተምሃሮ 8ይን 12 ክፍሊ ዝወሃብ ትምህርቲ ክለሳ ንኽቕፅል ከምዝተወሰነ እውን እቲ ምምሕዳር ገሊፁ።

ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ፥ ተምሃሮ ንለበዳ ቫይረስ ኮሮና ብዘየቃልዕ መልክዑ 30 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም ትምህርቲ ንምጅማር ብዙሓት ስራሕቲ ቅድመ ምድላው እናገበረ ከምዝነበረ ይፍለጥ።

ካብ 8ይን 12ን ክፍሊ ተምሃሮ ወፃእ፤ ኣብ ዝተረፉ ክፍሊታት ትምህርቲ ቅድሚ ምጅማሩ ኣብ ትልሚ ኣመራርሓን ስትራቴጂ ምሕደራን ዘሎ ከይዲ ትምህርቲ እዋን ኮቪድ-19 ዝተቐመጡ ብርኪታት ምምላእ ኣድላዪ ኮይኑ ስለዝተረኸበ፥ ኣድለይቲ ምድላዋት ብዝተማልአ ኩነታት ክሳብ ዝዛዘም ኣብታ ከተማ ንምጅማር ዝተሓሰበ ከይዲ ትምህርቲ ገፅ ንገፅ ንዘይተወሰነ እዋን ከምዝተናወሐ ምግላፁ ካብ ቢሮ ሴክሬታሪያት ኣዲስ ኣበባ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.