Fana: At a Speed of Life!

ሱዳን ብወገን ከሰላ ምስ ኢትዮጰያ ዘዋስና ዶብ ከምዝዓፀወት ኣፍሊጣ

ኣዲስ ኣባበ ፣ 27 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሱዳን ብወገን ከሰላ ምስ ኢትዮጰያ ዘዋስና ዶብ ከምዝዓፀወት ኣፍሊጣ።

ኣማሓዳሪ ክልል ከሰላ ፋቲህ ኣል ራህማን ኣል ኣሚን ከምዝገለጽዎ፥ ሱዳን ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ምስ ኢትዮጵያ ዘዋስና ዶብ ከሰላ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ሓለዋ ብሓይሊታት ፀፅታ ተጠናኺሩ ኣሎ።

እቲ ውሳነ፥ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ህወሓት ዝወስዶ ዘሎ ስጉምቲ ኣብ ግምት ዘእተወ ከምዝኾነ ፀብፃብ ኣል ሱዳኒ የመላኽት።

ኣብ ዶብ ከባቢ ትርከብ ዋድ ኣል ሄሊኦ ዘሎ ሓይሊ ኩነታት ብዕቱብ ንኽከታተል ከምዝተኣዘዘ ኣብሪሆም።

እቶም ኣማሓዳሪ ከምዝበሉዎ፥ ዝኾነ ዝተዓጠቐ ኣካል ይኹን ካልእ ውልቀ ሰብ ነቲ ዶብ ሓሊፉ ናብ ሱዳን ምእታው ኣይኽእልን።

ይኹን እምበር እቶም ትእዛዛት ዕቑባ ሓቲቶም ናብ ሱዳን ዝመፅኡ ንፁሃን ንምቕባል ብዘኽእል መልክዑ ንኽፍፀሙ ዝከታተል ኮሚቴ ከምዝተጣየሸ እውን ተገሊፁ ኢዩ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.