Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ፀረ መበረታትዒ ቅመም ዘድሃበ ስልጠና ይወሃብ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ሕዳር፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ፀረ መበረታትዒ ቅመም ዘድሃበ ስልጠና ካብ ማሕበር ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ዓለም ብዝመፅኡ ሰብ ሞያታት ይወሃብ ኣሎ።

ኣብቲ ስልጠና ኣትሌታት፣ ኣሰልጠንቲ፣ ማናጀራትን ተወከልቲን ኣትሌታት ይሳተፉ ኣለዉ።

ምኽትል ተቐዳሚት ፕሬዚዳንት ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ኣትሌት ደራርቱ ቱሉ፥ ጉዳይ መበረታትዒ ቅመም ኣብ ኣዝዩ መተሓሳሰቢ ብርኪ ምብፅሑ ገሊፀን።

ኣትሌታት፥ ብተፈጥሮ ዝተዓደሎም ጉልበት ጥራሕ ብምጥቃምን ካብ መበረታትዒ ቅመም ብምርሓቕን ብቑዕ ተወዳደርቲ ምዃኖም ኣብ ዓለም ብምምስካር ንኢትዮጵያ ብፅቡቕ ስም ከፀውዑ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲበን።

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፀረ መበረታትዒ ቅመማት ኢትዮጵያ ኣይተ መኮንን ይደርሳል ብግደኦም፥ እቲ ቤት ፅሕፈት ኣብ ዙርያ መበረታትዒ ቅመም ግንዛበ ናይምፍጣር ስራሕቲ እናሰርሐ ምዃኑ ገለቶም።

እቲ ሎሚ መዓልቲ ዝተጀመረ ስልጠና እውን ካብቶም ስራሕቲ ሓደ ምዃኑ ካብ ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.