Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ብፍረወይኒ ኮሪዓ – ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ሕዳር፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ፍረወይኒ መብራህቱ ጅግና ሲ ኤን ኤን ዓመተ 2019 ብምዃን ብምዕዋታ “እንኳዕ ደስ በለኪ” ከብሉ መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ወናኒት ፋብሪካ ማርያም ሳባ መፍረዪ ዝሕፀብ መናፅሂ ዝኾነት ኢትዮጵያዊት ወይዘሮ ፍረወይኒ መብራህቱ ተዓዋቲት እቲ ሽልማት ብምዃና ዝተሰመዖም ሓጎስ ገሊፆም።

ደቂ ኣኒስቲዮ ኣብ ቤት ትምህርቲ ንክፀንሓ ዘለዋ ቆራፅነት ከምኡ እውን ዝሓሸ ማሕበረሰብ ነክህሉ ዘለዋ ቅዋም ዝነኣድ ኢዩ ኢሎም።

ስለዝኾነ “ኢትዮጵያ ብፍረወይኒ ኮሪዓ ኢያ” ኢሎም።

ፍረወይኒ ኣብ መቐለ ዝርከብ ፋብሪካ ማርያም ሳባ መፍረዪ ዝሕፀብ መናፅሂ ዘጣየሸት እንትትከውን፥ ከም ሓጥያት ዝረኣ ዝነበረ ልሙድ ኣረኣእያ ወርሓዊ ፅግያት ክስበር ብምግባራ፣ ንብዙሓት ደቂ ኣንስቲዮ ዕድል ስራሕ ብምፍጣራ፣ ኣባፅሕ ደቂኣንስትዮ ዘለወን ሕፅረት ናውቲ ወርሓዊ ፅግያ(ሞዴስ)ን ፓንትን ብሕሳር ዋጋ ክረኽባ ብምግባራ ጅግና (Hero) ሲ ኤን ኤን 2019 ክትከውን ክኢላ ኣላ።

ስለዝኾነ ሲ ኤን ኤን ጀጋኑ 2019 ኢሉ ካብ ዝመረፆም 10 ሰባት ቀዳመይቲ ብምዃን ምዕዋታ ይዝከር።

እቲ ስነ-ስርዓት ኣብ ዓለም ፍልይ ዝበለ ስራሕ ዝሰርሑ በቢዓመቱ ተሓርዮም ዝሽለምሉን ኣፍልጦ ዝረኽብሉን ዓለም ለኻዊ ሽልማት እዩ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.