Fana: At a Speed of Life!

ሰራዊት ኣብ ዝሰፈረሎም ካምፕታት ዝተኸፈተ ናይ ከሓድቲ መጥቃዕቲ ብብቕዓት ብምምካት ናብ ፀረ መጥቃዕ ስጉምቲ ተሸጋጊሩ-ሚኒስቴር ምክልኻል ሃገር

ኣዲስ ኣበባ ፣26 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሰራዊት ኣብ ዝሰፈረሎም ካምፕታት ዝተኸፈተ ናይ ከሓድቲ መጥቃዕቲ ብብቕዓት ብምምካት ናብ ፀረ መጥቃዕ ስጉምቲ ከምዝተሸጋገረ ሚኒስቴር ምክልኻል ሃገር ኣፍሊጡ።

ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ተዂሲ ኣብ ዝተኸፈተሎም ካምፒታት ኩሎም ብፅኑዕ ምክልኻል ኲናት ኣቢሉ ነቲ ከሓዲ ሓይሊ ብምምካት ልዑል ጉድኣት የብፀሐሉ ኣሎ።

ሰራዊት ምክልኻል ሃገርን ሓይሊታት ፀፅታ ክልል ኣምሓራን ተዋዲዶም ኣብ ዞባ ሰሜን ጎንደር ቀራቅር ኣብ ዝተብሃለ ቦታ እቲ ጉጅለ ዝሰንዘሮ ናይ መጥቃዕቲ ኲናት ብብቕዓት ብምምካት ኣብ ልዕሊ እቲ ሓይሊ ልዑል ሰብኣዊን ማተሪያላዊን ኪሳራ ኣብፂሖምሉ ኢዮም።

እቲ ሰራዊት ትማሊ ድሕሪ ሰዓት ብዝወሰዶ ዝተዋደደ ናይ መጥቃዕቲ ስጉምቲ ኣብ ከባቢ ቀራቅር ኣብ ዝርከብ ቦታ ዝነበረ ናይቲ ከሓዲ ጉጅለ ሓይሊ ብልዑል ኩነታት ብምጥቃዕ እቲ ቦታ ክቆፃፀር ከምዝኸኣለ ኣፍሊጡ።

ጀግና ሰራዊት ብዝወሰዶ ስጉምቲ ኣብ ልዕሊ እቲ በላዒ ነብሲ ልዑል ሰብኣዊ ክሳራ ብምብፃሕ ናይቲ ጉጅለ ኣፅዋራት ከምዝማረኸ ገሊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.