Fana: At a Speed of Life!

ህወሓት ኣብ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ዝርከብ ቀፅሪ ሰራዊት ምክልኻል መጥቃዕቲ ከምዝፈፀመ ቀ/ሚ ኣቢይ ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 25 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ህወሓት ኣብ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ዝርከብ ቀፅሪ ሰራዊት ምክልኻል መጥቃዕቲ ከምዝፈፀመ ገሊፆም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ፌስቡክ ገፆም ከምዝፀሓፉዎ ናውቲ እዚ ሰሜን ንምውራር ምፍታኑ እውን ገሊፆም።

እቲ ሰራዊት ምክልኻል ንልዕሊ 20 ዓማውቲ ኣብ ትግራይ ምፅንሑ ዝሓበሩ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ዕላምኡ ድማ ኣብቲ ከባቢ ንዝርከብ ህዝቢ ትግራይ ንምሕላውን ካብ መጥቃዕቲ ንምክልኻልን ዝዓለመ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

ህወሓት ግን ከም ባዕዳዊ ወረርቲ ብምቑፃር ነቲ ሰራዊት ንምውቃዕን ንምውራርን ከምዝተበገሰ ገሊፆም።

“ኣብ ከባቢ ዳንሻ እውን ውግእ ከፊቱ ኣሎ፥ ኢሎም እቶም ቀዳማይ ሚኒስተር።

መንግስቲ ህዝቢ ትግራይ ከይጉዳእ ብምሕሳብ፣ ኲናት ከይውላዕ ብዝብል ክሳብ መወዳእታ ከምዝተዓገሰ ዝሓበሩ ዶክተር ኣቢይ፥ ውግእ ምትራፍ ዝከኣል ግን ብድሌት ሓደ ወገን ጥራሕ ከምዘይኮነ ኣገንዚቦም።

ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ብኮማንድ ፖስት እናተመርሐ ሃገሩ ንምድሓን ልኡኽቱኡ ንኽዋፃእ ትእዛዝ ከምዝተውሃበ እውን ኣፍሊጦም።

ናይ መወዳእታ ቀይሕ መስመር ከምዝተሓለፈ ብምግላፅ፤ “ሃገርን ህዝቢን ንምድሓን እንትበሃል ናይ ሓይሊ መማረፂ ኮይኑ ኣሎ” ኢሎም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ህዝቢታት ኢትዮጵያ ንነገራት ብህድኣት ክከታተሉ፣ በቢከባቢኦም ክፍጠሩ ዝኽእሉ ትንኮያታት ብንቕሓት ንኽዕዘቡን ኣብ ጎኒ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ጠጠው ንኽብሉን ፀዊዖም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.