Fana: At a Speed of Life!

ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ሙሳ ፋቂ ማህማት ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ዜጋታት ዝፈተፀመ መጥቃዕቲ ኮኒኖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ሙሳ ፋቂ ማህማት ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ዜጋታት ዝፈተፀመ መጥቃዕቲ ኮኒኖም።

ኣብ ምዕራብ ወለጋ ወረዳ ጉሊሶ ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ንፁሃን ዜጋታት ምቕታሎም ይፍለጥ።

እቶም ኣቦ መንበር እውን ነቲ መጥቃዕቲ ብምኹናን በቲ መጥቃዕቲ ህይወቶም ንዝሰኣኑ ስድራ ቤት ምፅንዕናዕ ጉድኣት ንዝበፅሖም ድማ ብቕልጡፍ ንኽሕሾም ዘለዎም ሰናይ ትምኒት ገሊፆም።

መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ዜጋታት ጥቕዓት ዝፈፀሙ ኣካላት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ብምውዓል ተሓተትቲ ንኽገብር እውን ሙሳ ፋቂ ማህማት ሓቲቶም።

ኣብ ኢትዮጵያ እናወሰኸ ዝመፅ ዘሎ መጥቃዕቲ ንምንካይ፥ ኩሎም ኣካላት ካብ ጎንፂ ፈጠርቲ ካብ ዝኾኑ ተግባራት ብምዕቃብ ቀጥሪታት ንምንካይ ክሰርሑ ከምዝግባእ እቶም ኣቦ መንበር ኣተሓሳሲቦም።

ኣብታ ሃገር ዝንቀሳቐሱ ሓይሊታት ፖለቲካ ንኹሉ ዝሓቁፍ ዘተ ብምግባር ኣብ ቁልፊ ጉዳያት ሃገራዊ ምርድዳእ ክህልዎም ይግባእ ኢሎም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.