Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ብምውካል ኣብ ፌስቲቫል ሙዚቃ ባህሊ ኣፍሪካ ዝተሳተፈ ጉጅለ ሙዚቀኛታት ባህሊ ክልል ደቡብ ተዓዋቲ ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ሕዳር፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኢትዮጵያ ብምውካል ኣብ ፌስቲቫል ሙዚቃ ባህሊ ኣፍሪካ ዝተሳተፈ ጉጅለ ሙዚቀኛታት ባህሊ ክልል ደቡብ ተዓዋቲ ኮይኑ።

ጉጅለ ሙዚቀኛታት ባህሊ ክልል ደቡብ፥ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን 23 ሕዳር 2012 ዓ.ም ኣብ ኣብ ፌስቲቫል ሙዚቃ ባህሊ ኣፍሪካ ንምስታፍ ናብ ናይጀርያ ከምዝተጉዓዘ ይፍለጥ።

ኣብ ናይጀርያ ብዝነበሮ ፃንሒት ድማ ተዓዋቲ ውድድር ፌስቲቫል ሙዚቃ ባህሊ ኣፍሪካ ምዃኑ ቤት ፅሕፈት ርእሰ ምምሕዳር ክልል ደቡብ ዘውፀኦ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

እቲ ጉጅለ፥ ብምትሕብባር ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ደቡብ ኣይተ ርሰቱ ይርዳው ብመንግስቲ እቲ ክልል ናይ ኣውሮፕላንን ባህላዊ ኣልባሳትን ወፃኢ ንምሽፋን ገንዘባዊ ሓገዝ ከምዝተገበረሉ እውን ተገሊፁ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.