Fana: At a Speed of Life!

ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ብኮቪድ 19 ብምጥርጣሮም ኣብ መፅንሒ ክፍሊ ኣትዮም

 ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ጥቅምቲ፣ 2013(ኤፍ.ቢ.ሲ)ዳይሬክተር ጄኔራል ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ብኮቪድ 19 ብምጥርጣሮም ናብ መፅንሒ ክፍሊ ተፈሊዮም።

ዶክተር ቴድሮስ ብቫይረስ ኮሮና ምስ ዝተለኸፈ ሰብ ፊት ንፊት ብምርኻቦም ናብ ናይ ወልቀ መፅንሒ ክፍሊ ክኣትዉ ከምዝኸኣሉ ተገሊፁ።

ትማሊ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ቲዊተር ገፅ ከምዝበልዎ፥ ክሳብ ሐዚ ብዘሎ ኩነታት ፅቡቕ ስምዒት ከምዘለዎምን በቲ ቫይረስ ከምዝተትሓዙ ዘርእይ ውፅኢት ከምዘየሎን ኣብሪሆም።

ይኹን እንበር ብመሰረት ስርዓት/ፕሮቶኮል ውድብ ጥዕና ዓለም ንባዕሎም ን14 መዓልታት ንምግላል ናብ መፅንሒ ክፍሊ ክኣትዉ ከምዝኸኣሉ ገሊፆም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.